| ← Proverbs (17/31) → |
| 1. | ካብ ሕሩድ ዝመልኦ ቤት ምስ ቈየቛስ፡ ንቕጽቲ ቚራስ ምስ ህድኣት ትበልጽ። |
| 2. | ለባም ባርያ ንነውራም ውሉድ ይገዝኦ፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ድማ ርስቲ ይካፈል። |
| 3. | መምከኺ ንብሩር፡ እቶን ከኣ ንወርቂ እዩ፡ ንልቢ ዚፍትኖ ግና እግዚኣብሄር እዩ። |
| 4. | እኩይ ሰብ ንበደለኛ ኸንፈር ጽን ይብሎ፡ ሓሳዊ ድማ ነታ እክይቲ መልሓስ ይሰምዓ። |
| 5. | ንድኻ ዜባጩ ንፈጣሪኡ ይጸርፍ፡ ብጒድኣት ዚሕጐስ ከኣ ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን። |
| 6. | ንኣረገውቲ እቶም ደቂ ደቆም ዘውዶም እዮም፡ ንቘልዑ ኸኣ ኣቦታቶም ክብረቶም እዮም። |
| 7. | ንዓሻስ ዓብዪ ዘረባ ኣይመጠኑን፡ ንመስፍን ደኣ ግዳ ሓሰውቲ ኸናፍር ከመይ ኢለን፡ |
| 8. | መማለጃ ነቲ እተቐበሎ ኸም ክቡር ዕንቊ እዩ፡ ኣብ ዝኸደ እንተ ኸደ ይሰልጦ። |
| 9. | ፍቕሪ ዚደሊ ንበደል ይኽውሎ፡ ናብ ነገር ዚምለስ ግና ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም። |
| 10. | ካብ ሚእቲ ግርፋን ንዓሻስ፡ ተግሳጽ፡ ተግስጽ ንለባም ኣዕሚቑ ይኣትዎ። |
| 11. | እኩይ ሰብ ዕልወት ጥራይ ይደሊ፡ ስለዚ ጨካን መልእኽተኛ ይሰዱሉ። |
| 12. | ዓሻ ብዕሽነቱ ኻብ ዚጓነፈካስ፡ ኰራኲራ ዘሕደግዋ ድቢ ኽትጓነፈካ ይሐይሽ። |
| 13. | ኣብ ክንዲ ሰናይሲ እከይ ዚፈዲ፡ መከራ ኻብ ቤቱ ኣይርሕቕን። |
| 14. | ምጅማር ቈየቛ ኸም ምኽፋት መገዲ ውሒዝ እዩ፡ ስለዚ ናብ ምሕርቃም ስኒ ኸይበጽሔ ኻብ ቈየቛ ርሐቕ። |
| 15. | እቲ ንዓማጺ ናጻ ዜውጽኦን ንጻድቕ ዚዂንኖን፡ ክልቲኦም ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እዮም። |
| 16. | ዓሻስ ልቢ የብሉን እዩ እሞ፡ ጥበብ ኪገዝእሲ፡ እቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዋጋ ንምንታይ ይጠቅም |
| 17. | ፈታዊ ንዂሉ ጊዜ የፍቅር፡ ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ። |
| 18. | ልቢ ዜብሉ ሰብ ኣገን ይጠቅዕ፡ ኣብ ቅድሚ ብጻዩ ኸኣ ይውሐስ። |
| 19. | ባእሲ ዚፈቱ ሓጢኣት ይፈቱ፡ ንደጌኡ ዜንውሕ ምፍራስ ይደሊ። |
| 20. | ጠዋይ ልቢ ዘለዎ ሰናይ ኣይረክብን፡ ወስላት ዝልሳኑ ኸኣ ኣብ መከራ ይወድቕ። |
| 21. | ዓሻ ዝወለደ ብእኡ ይጒሂ፡ ኣቦ ዓሻውን ከቶ ኣይሕጐስን። |
| 22. | ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፡ ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ። |
| 23. | ረሲእ፡ መገዲ ፍትሒ ንምጥዋይ፡ መማለጃ ኻብ ሕቚፊ ይወስድ። |
| 24. | ለባም ሰብሲ ጥበብ ኣብ ቅድሚኡ ኣላ፡ ኣዒንቲ ዓሻ ግና ክሳዕ ወሰን ምድሪ እየን። |
| 25. | ዓሻ ውሉድ ነቦኡ ጓሂ እዩ፡ ንወላዲቱ ኸኣ ምረት እዩ። |
| 26. | ንጻድቕ ምቕጻዕ፡ ንኽቡራት ስለ ቕንዕናኦም ምውቃዕ ሰናይ ኣይኰነን። |
| 27. | እቲ ፍልጠት ዘለዎስ ቃላቱ ይቚጥብ፡ ህዱእ መንፈስ ዘለዎ ለባም እዩ። |
| 28. | ዓሻ እኳ ስቕ እንተ በለስ፡ ጥበበኛ መሲሉ ይርኤ፡ ከናፍሩ ዚዐጹ ኣእምሮኛ ይበሀል። |
| ← Proverbs (17/31) → |