← Hosea (11/14) → |
1. | ንእስራኤል ሕጻን ከሎ ኣፍቀርክዎ፡ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ። |
2. | ብመጠን እቲ ዝጸውዕዎም ካብ ገጾም ረሐቑ፡ ንበዓሊም ሰውኡ ንጣኦታት ከአ ዐጠኑ። |
3. | ኣነ ንኤፍሬም ኣታቴኽዎ፡ ብቕልጽመይ ሓቖፍክዎም፡ ግናኸ ኣነ ኸም ዘሕዌኽዎም፡ ኣይፈለጡን። |
4. | ኣነ ብገመድ ሰብ፡ ብማእሰር ፍቕሪ ሰሐብክዎም፡ ከምቲ ኻብ ምንጋጋኦም ኣርዑት ዜልዕል ኮንክዎም፡ ብልዒውን ኣቕረብኩሎም። |
5. | ናብ ሃገር ግብጺ ኣይምለስን፡ ግናኸ ምምላስ ስለ ዝአበዩ፡ ኣሶራዊ ይነግሶ። |
6. | ስለ እቲ እተማኸርዎ ምኽሮም ከአ ሰይፊ ኣብ ከተማታቱ ኼንበጥብጥ፡ ንመሀርሃሪታቱ ድማ ኪኾሞን ኪውሕጦን እዩ። |
7. | ህዝበይ ካባይ ንምኽዳዕ ልቢ ተሰቕለ፡ ናብቲ ልዑል ጸዊዖምዎም ክነሶም፡ ልዕል ዚብል ሓደ እኳ የልቦን። |
8. | ዎ ኤፍሬም፡ ከምይ ገይረ ኽሐድገካ፡ ዎ እስራኤል፡ ከምይ ገይረ ኣሕሊፈ ኽህበካ፡ ከም ኣድማዶ ኽገብረካ፡ ከም ጸቦይምዶኸ ኽንብረካ እየ፡ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተናወጸ፡ ኩሉ ምሕረተይ ነደደ። |
9. | ኣነስ ኣምላኽ እየ፡ ሰብ ኣይኮንኩን፡ ኣብ ማእከልካውን ቅዱስ እየ እምበር፡ ብነድሪ ቑጥዓ ኣይመጽእን እየ እሞ፡ ሃና ነድረይ ኣይወጽእን እየ፡ ንኤፍሬም ከጥፍእ ኢለ ድማ ኣይምለስን እየ። |
10. | ንሱ ይጓዝም፡ እቶም ደቂ ኸአ ካብ ምዕራብ እናንቀጥቀጡ ይመጹ እሞ፡ ንሳቶም ደድሕሪ እቲ ኸም ኣንበሳ ዚጓዝም እግዚኣብሄር ይኸዱ። |
11. | ካብ ግብጺ ኸም ዑፍ፡ ካብ ሃገር ኣሶር ከም ርግቢ እናንቀጥቀጡ ይመጹ፡ ኣነውን ኣብ ኣብይቶም ከንብሮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። |
12. | ኤፍሬም ብሓሶት ቤት እስራኤል ከአ ብተንኮል ከበቡኒ፡ ይሁዳ ግና ነቲ ቅዱስ እሙን ኮይኑ ምስ ኣምላኽ ይነግስ። |
← Hosea (11/14) → |