Ecclesiastes (1/12) → |
1. | ቃላት እቲ ሰባኺ፡ ወዲ ዳዊት ንጉስ ዮርሳሌም። |
2. | ከንቱነት ናይ ከንቱነታት፡ ይብል እቲ ሰባኺ፡ ከንቱነት ናይ ከንቱነታት፡ ኩሉ ኸንቱነት እዩ። |
3. | ሰብ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚጽዕረሉ ኹሉ ጻዕሪ እንታይ ረብሓ ይረኽበሉ፡ |
4. | ወለዶ ይኸይድ፡ ወለዶ ኸአ ይመጽእ፡ ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትቐውም። |
5. | ጸሓይ ድማ ትበርቕ፡ ጸሓይ ከአ ትዐርብ፡ ናብቲ ዝበረቐትሉ ቦታ ኽትምለስውን ትቕልጥፍ። |
6. | ንፋስ ናብ ደቡብ ይኸይድ፡ ናብ ሰሜን ከአ ይዘውር፡ እቲ ንፋስ ኣዘውቲሩ እናኸደ ይዘውር፡ ናብ ዙረቱውን ከም ብሓድሽ ይምለስ። |
7. | ውሒዝ ዘበለ ኹሉ ናብ ባሕሪ ይኸይድ፡ ባሕሪ ግና ከቶ ኣይመልአን። ወሓይዝ ናብቲ ዝኸደሉ ቦታ መመሊሱ ይኸይድ። |
8. | ኩሉ ነገር ይጽዕር፡ ሰብ ኪዛረብ እኳ ኣይይኽእልን። ዓይኒ ብምርኣይ ኣይትጸግብን እዝኒ ኸአ ብምስማዕ ኣይትመልእን። |
9. | እቲ ዝነበረ ንሱ እዩ መሊሱ ዚነብር፡ እቲ እተገብረ ኸአ ንሱ እዩ መሊሱ ዚነብር፡ እቲ እተገብረ ኸአ ንሱ መሊሱ ዚግበር፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ሓድሽ ነገር ከቶ የልቦን። |
10. | ሰብሲ፡ እንሆ፡ እዚኣ ሓዳስ እያ፡ ዚብለላ ነገርዶ ኣላ እያ፡ ድሮ በቲ ቕድሜና ዝነበረ ዝመናት ዝነበረት እያ። |
11. | እተን ቀደም ዝነበራ ነገራትሲ መዘከርታ የብለንን። እተን ብደሓር ዚኾና ኸአ ኣብቶም ብድሕሪኤን ዚመጹ መዘከርታ የብለንን። |
12. | ኣነ ሰባኺ ኣብ ዮርሳሌም ንጉስ እስራኤል ነበርኩ። |
13. | ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዚግበር ዘበለ ኹሉ ብጥበብ ክምርምርን ከስተብህልን ልበይ ኣቕናዕኩ። እዝስ እግዚኣብሄር ንደቂ ሰብ ኪሳቕዩሉ ዝሀቦም ሓማቕ ጻዕሪ እዩ። |
14. | ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ኹሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ። |
15. | ቄናን ኪቐንዕ ኣይከአልን፡ እተሳእነውን ኪቑጸር ኣይከአልን። |
16. | ኣነ እንሆ ሓለፋ እቶም ቅድመይ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ዓብዩ ጥበብ ኣጥሬኹ፡ ኢለ ብልበይ በልኩ። ልበይ ናይ ጥበብን ፍልጠትን ምልኣት ረአየ። |
17. | ንጥበብ ክፈልጣ፡ ንዕሽነትን ድንቁርናን ክፈልጠን ኢለ ልበይ ኣቕኒዔስ፡ እዚውን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይ ምዃኑ ኣስተብሀልኩ። |
18. | ብዙሕ ጥበብ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ብዙሕ ጓሂ ኣሎ እሞ፡ እቲ ፍልጠት ዜብዝሕ ስቓይ ይበዝሕ። |
Ecclesiastes (1/12) → |