← 1Thessalonians (3/5) → |
1. | ስለዚ ኻብኡ ንነጀው ክንዕገስ ስለ ዘይተኻእለና፡ ኣብ ኣቴና በይንና ኽንተርፍ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእየና። |
2. | በዚ ጸበባ እዚ ሓደ እኳ ሰንከልከል ከይብል፡ ነዚ ኸም እተመደብና፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም እሞ፡ ንጢሞቴዎስ ሓውናን ብወንጌል ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ኣገልጋልን፡ ንሱ ኼጽንዓኩም ብዛዕባ እምነትኩምውን ዜህድኣኩም ለኣኽናዮ። |
3. | በዚ ጸበባ እዚ ሓደ እኳ ሰንከልከል ከይብል፡ ነዚ ኸም እተመደብና፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም እሞ፡ ንጢሞቴዎስ ሓውናን ብወንጌል ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ኣገልጋልን፡ ንሱ ኼጽንዓኩም ብዛዕባ እምነትኩምውን ዜህድኣኩም ለኣኽናዮ። |
4. | እምብኣርከ ምሳኻትኩም ከሎና፡ ጸበባ ኸም ዚመጸናስ፡ ቅድም ነጊርናኩም፡ ከምቲ እትፈልጥዎውን፡ ከምኡ ዀነ። |
5. | ስለዚ ኣነ ድማ ካብኡ ንነጀው ክዕገስ ምኽኣል ምስ ሰኣንኩ፡ ምናልባሽ እቲ ፈታኒ ፈቲኑኩም ከይህሉ እሞ እቲ ጻዕርና ኸንቱ ኸይከውን ኢለ፡ እምነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ እየ ዝለኣኽክዎ። |
6. | ሕጂ ግና ጢሞቴዎስ ካባኻትኩም ናባይ መጺኡ፡ ከምቲ ንሕና እንናፍቐኩም ከም እትዝክሩና፡ ብናይ እምነትኩምን ፍቕርኹምን ምስ ኣበሰረና፡ |
7. | ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ሳላ እምነትኩም ኣብ ኲሉ ጸበባናን መከራናን ብዛዕባኹም ተጸናናዕና። |
8. | ብጐይታ እንተ ጸናዕኩምሲ፡ ንሕና ደጊም ብህይወት ንነብር ኣሎና። |
9. | ገጽኩም ክንርእን ካብ እምነትኩም ዝጐደለ ኽንምልእን፡ ለይትን መዓልትን መጠን ዜብሉ እናጸሌና፡ በቲ ብኣኻትኩም ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና እንሕጐሰሉ ዂሉ ሓጐስ ብኸመይ ዝበለ ምስጋና ዀን ኢና ብዛዕባኻትኩም ንኣምላኽና እነመስግኖ። |
10. | ገጽኩም ክንርእን ካብ እምነትኩም ዝጐደለ ኽንምልእን፡ ለይትን መዓልትን መጠን ዜብሉ እናጸሌና፡ በቲ ብኣኻትኩም ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና እንሕጐሰሉ ዂሉ ሓጐስ ብኸመይ ዝበለ ምስጋና ዀን ኢና ብዛዕባኻትኩም ንኣምላኽና እነመስግኖ። |
11. | ግናኸ እግዚኣብሄር ኣቦና ባዕሉን ጐይታና የሱስ መገድና ናባኻትኩም የቕንዕ። |
12. | በቲ ምጽኣት ጐይታና የሱስ ምስ ኲሎም ቅዱሳኑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ብዘይ ኣበር ብቕድስና ኸም እትርከቡ፡ ልብኹም ምእንቲ ኼጽንዕ፡ ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም ዘሎና፡ እግዚኣብሄር ንሓድሕድኩምን ንዂሉ ሰብን ፍቕሪ ይወስኽኩምን የብዝሓልኩምን። |
13. | በቲ ምጽኣት ጐይታና የሱስ ምስ ኲሎም ቅዱሳኑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ብዘይ ኣበር ብቕድስና ኸም እትርከቡ፡ ልብኹም ምእንቲ ኼጽንዕ፡ ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም ዘሎና፡ እግዚኣብሄር ንሓድሕድኩምን ንዂሉ ሰብን ፍቕሪ ይወስኽኩምን የብዝሓልኩምን። |
← 1Thessalonians (3/5) → |