← 1Chronicles (18/29) → |
1. | ድሕርዚ ኸኣ ዀነ፡ ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ስዒሩ ኣጥቅዖም፡ ንጋትን ዓድታታን ድማ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ወሰደን። |
2. | ንሞኣብውን ሰዐሮ እሞ፡ ሞኣባውያን ንዳዊት ገላውኡ ዀይኖም ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉ። |
3. | ዳዊት ድማ ንስልጣኑ ኣብ ርባ ኤፍራጥስ ኬጽንዖ ምስ ከደ፡ ንሃዳአዔዘር ንጉስ ጾባ ኣብ ሓማት ሰዐሮ። |
4. | ዳዊት ከኣ ካብኡ ሽሕ ሰረገላን ሾብዓተ ሽሕ ፈረሰኛን ዕስራ ሽሕ ኣጋራይ ሰብን ወሰደ። ዳዊት ድማ ንዂሎም ኣፍራስ ሰረገላ ኣእጋሮም ቀንጀቦም፡ ካብኦም ግና ሚእቲ ፈረስ ሰረገላ ኣትረፈ። |
5. | እቶም ናይ ደማስቆ ሶርያውያን ከኣ ንሃዳርዔዘር ንጉስ ጾባ ኺረድኡ ኢሎም ምስ መጹ፡ ዳዊት ካብቶም ሶርያውያን ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰብኣይ ቀተለ። |
6. | ዳዊት ድማ ኣብ ናይ ደማስቆ ሶርያ ሓለውቲ ኣቐመጠ፡ እቶም ሶርያውያን ከኣ ንዳዊት ገላውኡ ዀይኖም ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዲል ሀቦ። |
7. | ዳዊት ከኣ ነቲ ኣብ ገላው ሃዳርዔዘር ዝነበረ ዋላቱ ወርቂ ወሰዶ፡ ናብ የሩሳሌም ድማ ኣምጽኦ። |
8. | ዳዊት ከኣ ካብ ጢብሓትን ካብ ኩንን፡ ከተማታት ሃዳርዔዘር፡ ኣዝዩ ብዙሕ ኣስራዚ ወሰደ። ብእኡ ሰሎሞን ነቲ ባሕሪ ኣስራዝን ነቲ ኣዕኑድን ነቲ ኣቓሑ ኣስራዝን ገበረ። |
9. | ቶዑ ንጉስ ሓማት ድማ ንዳዊት ንብዘሎ ሰራዊት ሃዳርዔዘር ንጉስ ጾባ ኸም ዝሰዐሮ ምስ ሴምዔ፡ |
10. | ሃዳርዔዘር ምስ ቶዑ ተዋጊኡ ነበረ እሞ፡ ንንጉስ ዳዊት ብዛዕባ ጥዕናኡ ኺሐቶን ንሃዳርዔዘር ተዋኣጊኡ ስለ ዝሰዐሮ ኸኣ ኪምርቖን፡ ንወዱ ሃዶራም ለኣኸሉ። ምስኡ ድማ ኲሉ ዓይነት ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ነበረ። |
11. | ነዚውን ንጉስ ዳዊት ምስቲ ኻብ ኲሎም ኣህዛብ፡ ካብ ኤዶምን ካብ ሞኣብን ካብ ደቂ ዓሞንን ካብ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኣማሌቅን፡ ዘምጽኦ ብሩርን ወርቅን ንእግዚኣብሄር ቀደሰሉ። |
12. | ኣቢሻይ ወዲ ጽሩያ ድማ ኣብ ለሰ ጨው ካብ ኤዶማውያን ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ቀተለ። |
13. | ኣብ ኤዶም ከኣ ሓለውቲ ኣቐመጠ፡ ኲሎም ኤዶማውያን ድማ ንዳዊት ገላውኡ ዀኑ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዲል ሀቦ። |
14. | ዳዊት ድማ ንብዘሎ ህዝቡ ፍርድን ጽድቅን እናገበረ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ነገሰ። |
15. | ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነበረ። የሆሻፋጥ ወዲ ኣሒሉድ ከኣ ጸሓፍ ዛንታ ነበረ። |
16. | ጻዶቅ ወዲ ኣሒጡብን ኣቢሜሌክ ወዲ ኣብያታርን ድማ ካህናት ነበሩ፡ ሻውሻ ኸኣ ጸሓፊ ነበረ። |
17. | በናያ ወዲ የሆያዳ ድማ ኣብ ልዕሊ ክረታውያንን ጵለታውያንን ነበረ። ደቂ ዳዊት ከኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ሓላቑ ነበሩ። |
← 1Chronicles (18/29) → |