← Zephaniah (3/3) |
1. | እታ ዓላዊትን ርኽስትን፡ እታ ገፋዒት ከተማ፡ ወይለኣ። |
2. | ድምጺ ኣይትሰምዕን፡ ቅጽዓት ኣይትቕበልን፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣይትውከልን፡ ናብ ኣምላኽ ኣይትቐርብን። |
3. | መሳፍንታ ኣብ ማእከላ ጓዘምት ኣናብስ እዮም፡ ፈራዶኣ ንግሆ ገለ እኳ ዘየትርፉ ተዃሉ ምሸት እዮም። |
4. | ነብያት መጓበብትን ጠበርትን ሰብኡት እዮም፡ ካህናታ ንመቕደስ ኣርከስዎ፡ ንሕጊ ዐመጽዎ። |
5. | እግዚኣብሄር ኣብ ማእከላ ጻድቕ እዩ፡ ንሱ ኣይእብስን፡ ንግሆ ንግሆ ኸየብኮረ ፍርዱ ናብ ብርሃን የውጽእ፡ ዓማጺ ግና ሓንከት ኣይፈልጥን። |
6. | ኣነ ንህዝብታት ኣጽነትኩ፡ ግምብታቶም ዐነወ፡ ንመገድታቶም፡ ሓደ እኳ ኸይሐልፈን፡ ኣባደምክወን፡ ከተማታቶም ሓደ ሰብ ዜብለን፡ ዚነብረን እኳ ዜብለን ኮይነን ጠፍአ። |
7. | ኣነ ኸአ፡ እየ፡ እንተ ትፈርህንስ፡ መቕጻዕቲ ከአ እንተ ትቕበልስ፡ በልኩ። ሽዑ ሰፈራ በቲ እተጻባጸብክዋ ኹሉ ኣይምጠፍኤን፡ ንሳቶም ግና ንጎ ተንሲኦም ኩሉ ግብሮም ኣበላሸው። |
8. | እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ። ኩላ ምድሪ ብሓዊ ቅንኣተይክትውሓጥሲ፡ ኩራይን ርሱን ቁጥዓይን ምእንቲ ኸፍስሰሎም፡ ነህዛብ ክእክቦም፡ ንመንግስታት ከአ ክኣኻኽቦም ፍርደይ እዩ እሞ፡ ስለዚ ኽሳዕ እታ ንዘመተ ዝለዐለላ መዓልቲ ተጸበዩኒ። |
9. | ስለዚ ኹላቶም ንስም እግዚኣብሄር ኪጽውዑን ሓቢሮም ከአ ኬገልግልዎንሲ፡ ሽዑ ንህዝብታት ጽሩይ ከናፍር ክመልሰሎም እየ። |
10. | ካብ ክንየው ርባታት ኢትዮጵያ እቶም ተማህለልተይ፡ ፋሕ ዝበሉ ደቀይ፡ መባእ ኬምጽኡለይ እዮም። |
11. | ሽዑ ኣነ ነቶም ብኹርዓትካ ባህ ዝበሎም ካብ ማእከልኪ ኸውጽኦም እየ፡ ንስኺ ድማ ድሕርዚ ኣብቲ ቅዱስ ከረነይ ኣይክትኮርዕን ኢኺ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ በቲ ንኣይ ዝበደልክሉ ኹሉ ግብርኺ ኣይክትሐንክን ኢኺ። |
12. | ኣብ ማእከልኪ ሽጉርን ድኻን ህዝቢ ኽሐድግ እየ፡ ንሳቶምውን ብስም እግዚኣብሄር ኪእመኒ እዮም። |
13. | ኪጓስዮን ኪድቅሱን እዮም፡ ዜሰምብዶም ድማ የልቦን እሞ፡ እቶም ተረፍ እስራኤል ኣይኪብድሉን ኣይኪሕስውን እዮም፡ ኣብ ኣፎም ከአ ጠላሚት ልሳን ኣይክትርከብን እያ። |
14. | አቲ ጓል ጽዮን፡ ዘምሪ፡ ኣታ እስራኤል፡ እልል በል፡ አቲ ጓል ዮርሳሌም፡ ብኹሉ ልብኺ ተሐጎሲ ባህ ከአ ይበልኪ። |
15. | እግዚኣብሄር ንፍርድኺ ኣርሐቖ፡ ንጸላኢኺ ሰጎጎ፡ እግዚኣብሄር ንጉስ እስራኤል ኣብ ማእከልኪ እዩ፡ ድሕርዚ ኸአ ገለ ኽፉእ ዜፍርህ የብልክን። |
16. | በታ መዓልቲ እቲኣ ንዮርሳሌም፡ ዎ ጽዮን፡ ኣይትፍርሂ፡ ኣእዳውኪ ኣይትሐለላ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኣብ ማእከልኪ ዜድሕን ጅግና እዩ። ብኣኺ ሓጎስ ኪሕጎስ እዩ፡ ብፍቕሪ ኺሀድእ፡ ብኣኺ እልል እናበለ ኺሕጎስ እዩ፡ ኪብልዋ እዮም። |
17. | በታ መዓልቲ እቲኣ ንዮርሳሌም፡ ዎ ጽዮን፡ ኣይትፍርሂ፡ ኣእዳውኪ ኣይትሐለላ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኣብ ማእከልኪ ዜድሕን ጅግና እዩ። ብኣኺ ሓጎስ ኪሕጎስ እዩ፡ ብፍቕሪ ኺሀድእ፡ ብኣኺ እልል እናበለ ኺሕጎስ እዩ፡ ኪብልዋ እዮም። |
18. | ነቶም ብዛዕባ በዓላት ዚጉህዩ ኽእክቦም እየ፡ ናትኪ እዮም፡ ጾሮም ጸርፊ ነበረ። |
19. | እንሆ፡ በቲ ጊዜ እቲ ነቶም ዚጭቁኑኺ ኸሎም ክጻረሮም እየ፡ ነታ ዝሐንከሰት ከድሕና፡ ነታ እተሰጎት ከኣ ክእክባ፡ ኣብቲ ዝነወርዎ ኹሉ ሃገራት ክቡራትን ስሙያትን ክገብሮም እየ። |
20. | ነቶም ምሩኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ምስ መለስክዎም። ኣብ ኩላቶም ህዝብታት ምድሪ ስሙያትን ክቡራትን ክገብረኩም እየ እሞ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኽአትወኩም፡ በታ ጊዜ እቲኣውን ክእክበኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። |
← Zephaniah (3/3) |