Zephaniah (3/3)    

1. እታ ዓላዊትን ርኽስትን፡ እታ ገፋዒት ከተማ፡ ወይለኣ።
2. ድምጺ ኣይትሰምዕን፡ ቅጽዓት ኣይትቕበልን፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣይትውከልን፡ ናብ ኣምላኽ ኣይትቐርብን።
3. መሳፍንታ ኣብ ማእከላ ጓዘምት ኣናብስ እዮም፡ ፈራዶኣ ንግሆ ገለ እኳ ዘየትርፉ ተዃሉ ምሸት እዮም።
4. ነብያት መጓበብትን ጠበርትን ሰብኡት እዮም፡ ካህናታ ንመቕደስ ኣርከስዎ፡ ንሕጊ ዐመጽዎ።
5. እግዚኣብሄር ኣብ ማእከላ ጻድቕ እዩ፡ ንሱ ኣይእብስን፡ ንግሆ ንግሆ ኸየብኮረ ፍርዱ ናብ ብርሃን የውጽእ፡ ዓማጺ ግና ሓንከት ኣይፈልጥን።
6. ኣነ ንህዝብታት ኣጽነትኩ፡ ግምብታቶም ዐነወ፡ ንመገድታቶም፡ ሓደ እኳ ኸይሐልፈን፡ ኣባደምክወን፡ ከተማታቶም ሓደ ሰብ ዜብለን፡ ዚነብረን እኳ ዜብለን ኮይነን ጠፍአ።
7. ኣነ ኸአ፡ እየ፡ እንተ ትፈርህንስ፡ መቕጻዕቲ ከአ እንተ ትቕበልስ፡ በልኩ። ሽዑ ሰፈራ በቲ እተጻባጸብክዋ ኹሉ ኣይምጠፍኤን፡ ንሳቶም ግና ንጎ ተንሲኦም ኩሉ ግብሮም ኣበላሸው።
8. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ። ኩላ ምድሪ ብሓዊ ቅንኣተይክትውሓጥሲ፡ ኩራይን ርሱን ቁጥዓይን ምእንቲ ኸፍስሰሎም፡ ነህዛብ ክእክቦም፡ ንመንግስታት ከአ ክኣኻኽቦም ፍርደይ እዩ እሞ፡ ስለዚ ኽሳዕ እታ ንዘመተ ዝለዐለላ መዓልቲ ተጸበዩኒ።
9. ስለዚ ኹላቶም ንስም እግዚኣብሄር ኪጽውዑን ሓቢሮም ከአ ኬገልግልዎንሲ፡ ሽዑ ንህዝብታት ጽሩይ ከናፍር ክመልሰሎም እየ።
10. ካብ ክንየው ርባታት ኢትዮጵያ እቶም ተማህለልተይ፡ ፋሕ ዝበሉ ደቀይ፡ መባእ ኬምጽኡለይ እዮም።
11. ሽዑ ኣነ ነቶም ብኹርዓትካ ባህ ዝበሎም ካብ ማእከልኪ ኸውጽኦም እየ፡ ንስኺ ድማ ድሕርዚ ኣብቲ ቅዱስ ከረነይ ኣይክትኮርዕን ኢኺ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ በቲ ንኣይ ዝበደልክሉ ኹሉ ግብርኺ ኣይክትሐንክን ኢኺ።
12. ኣብ ማእከልኪ ሽጉርን ድኻን ህዝቢ ኽሐድግ እየ፡ ንሳቶምውን ብስም እግዚኣብሄር ኪእመኒ እዮም።
13. ኪጓስዮን ኪድቅሱን እዮም፡ ዜሰምብዶም ድማ የልቦን እሞ፡ እቶም ተረፍ እስራኤል ኣይኪብድሉን ኣይኪሕስውን እዮም፡ ኣብ ኣፎም ከአ ጠላሚት ልሳን ኣይክትርከብን እያ።
14. አቲ ጓል ጽዮን፡ ዘምሪ፡ ኣታ እስራኤል፡ እልል በል፡ አቲ ጓል ዮርሳሌም፡ ብኹሉ ልብኺ ተሐጎሲ ባህ ከአ ይበልኪ።
15. እግዚኣብሄር ንፍርድኺ ኣርሐቖ፡ ንጸላኢኺ ሰጎጎ፡ እግዚኣብሄር ንጉስ እስራኤል ኣብ ማእከልኪ እዩ፡ ድሕርዚ ኸአ ገለ ኽፉእ ዜፍርህ የብልክን።
16. በታ መዓልቲ እቲኣ ንዮርሳሌም፡ ዎ ጽዮን፡ ኣይትፍርሂ፡ ኣእዳውኪ ኣይትሐለላ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኣብ ማእከልኪ ዜድሕን ጅግና እዩ። ብኣኺ ሓጎስ ኪሕጎስ እዩ፡ ብፍቕሪ ኺሀድእ፡ ብኣኺ እልል እናበለ ኺሕጎስ እዩ፡ ኪብልዋ እዮም።
17. በታ መዓልቲ እቲኣ ንዮርሳሌም፡ ዎ ጽዮን፡ ኣይትፍርሂ፡ ኣእዳውኪ ኣይትሐለላ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኣብ ማእከልኪ ዜድሕን ጅግና እዩ። ብኣኺ ሓጎስ ኪሕጎስ እዩ፡ ብፍቕሪ ኺሀድእ፡ ብኣኺ እልል እናበለ ኺሕጎስ እዩ፡ ኪብልዋ እዮም።
18. ነቶም ብዛዕባ በዓላት ዚጉህዩ ኽእክቦም እየ፡ ናትኪ እዮም፡ ጾሮም ጸርፊ ነበረ።
19. እንሆ፡ በቲ ጊዜ እቲ ነቶም ዚጭቁኑኺ ኸሎም ክጻረሮም እየ፡ ነታ ዝሐንከሰት ከድሕና፡ ነታ እተሰጎት ከኣ ክእክባ፡ ኣብቲ ዝነወርዎ ኹሉ ሃገራት ክቡራትን ስሙያትን ክገብሮም እየ።
20. ነቶም ምሩኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ምስ መለስክዎም። ኣብ ኩላቶም ህዝብታት ምድሪ ስሙያትን ክቡራትን ክገብረኩም እየ እሞ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኽአትወኩም፡ በታ ጊዜ እቲኣውን ክእክበኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

  Zephaniah (3/3)