Zephaniah (1/3)  

1. እቲ ብዘመን ዮስያስ፡ ወዲ ኣሞን ንጉስ ይሁዳ፡ ናብ ጸፎንያስ ወዲ ኩሺ፡ ወዲ ግዳልያ፡ ወዲ ኣማርያ፡ ወዲ ህዝቅያስ፡ ዝመጸ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ።
2. ኣነ ንብዘሎ ኹሉ ኻብ ዝባን ምድሪ ኸጥፍኦ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
3. ኣነ ንሰብን እንስሳን ከጥፍኦም እየ፡ ነዕዋፍ ሰማይን ዓሳታት ባሕርን ንመዓንቀፊታት ምስናይ እቶም ረሲኣንን ከጥፍኦም እየ፡ ንሰብውን ካብ ገጽ ምድሪ ኸጽንቶም ኣየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
4. ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ዮርሳሌም ዚነብሩ ኹላቶምን ኢደይ ክዝርግሕ እየ፡ ካብዚ ቦታ እዚ ንተረፍ በዓል፡ ንስም ካህናት ጣኦታት፡ ምስናይ እቶም ካህናት ከጽንቶም እየ፡
5. ነቶም ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ንሰራዊት ሰማይ ዚሰግዱን ነቶም ብማልካም ዚምሕሉን፡
6. ነቶም ካብ እግዚኣብሄር ዚርሕቁን ንእግዚኣብሄር ዘይደልይዎን ዘይሐትዎን ከጽንቶም እየ።
7. መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ እያ፡ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ኣዳልዩ፡ ነቶም ዕዱማቱ ከአ ቀዲስዎም እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስቕ በሉ።
8. ኪኸውን ድማ እዩ፡ በታ መዓልቲ መስዋእቲ ሕሩድ እግዚኣብሄር፡ ኣነ ነቶም መሳፍንትን ደቂ ንጉስን ነቶም ክዳን ጓኖት ዚኽደኑን ክቐጽዖም እየ።
9. በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ነታ ልዳት ዚዘልዋ፡ ነቶም ንቤት ጎይትኦም ብዓመጽን ብጥበራን ዚመልእዋ ኹላቶም ክቐጽዖም እየ።
10. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ደሃይ ጭድርታት ኻብ ደገ ዓሳ፡ ኣውያት ከአ ካብቲ ኻልኣይ ደገ፡ ካብ ኩርባታት ድማ ዓብዩ ምስብባር ኪስማዕ እዩ።
11. ኩሉ ህዝቢ ኸነኣን ጠፊኡ፡ እቶም ብሩር እተሰከሙ ኹላቶም ጸኒቶም እዮም እሞ፡ ኣቱም ኣብ መኽቴሽ እትነብሩ፡ ብኸዩ።
12. በቲ ዘመን እቲ ኪኸውን እዩ፡ ኣነ ንዮርሳሌም ብመብራህቲ ኽጉራጉራ እየ፡ ነቶም ኣብ ሓተላኦም እተቐመጡን ብልቦም፡ እግዚኣብሄርሲ ጽቡቕ ኣይገብር፡ ክፉእውን ኣይገብር፡ ዚብሉን ሰባት ክቐጾዖም እየ።
13. ገንዘቦም ኪዝመት፡ ኣባይቶም ኪባድም እዩ። ኣባይቲ ኺሰርሑ፡ ግናኸ ኣይክነብርዎን፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፡ ወይኑ ግና ኣይኪሰትዩን እዮም።
14. እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር፡ ድምጺ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ቀሪባ እያ፡ ኣዝያ ኸአ ትቕልጥፍ አላ። ሽዑ እቲ ጅግና ኣምሪሩ የእዊ።
15. እታ መዓልቲ እቲኣ መዓልቲ ቑጥዓ፡ መዓልቲ ጸበባን መከራን፡ መዓልቲ ምዕናውን ምብዳምን፡ መዓልቲ ጸልማትን እያ።
16. ነተን ዕሩዳት ከተማታትን በረኽቲ ግምብታትን መዓልቲ መለኸትን ኣውያትን እያ።
17. እቶም ሰብ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደሉ፡ ከጽብበሎም እየ፡ ከም ዕውራት ድማ ኪመላለሱ እዮም። ደሞም ከም ሐመድ ኪክዖ እዩ፡ ስጋኦም ከአ ከም ጎሓፍ።
18. ነቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኹላቶም ብድንገት ጥራስ ከጥፍኦም እዩ እሞ፡ በታ መዓልቲ ቑጥዓ እግዚኣብሄርሲ ብሩሮም ወይስ ወርቆም ኣይከናግፎምን እዩ፡ ግናኸ ኩላ እታ ሃገር ብሓዊ ቕንኣቱ ኽትወሐጥ እያ።

      Zephaniah (1/3)