Zephaniah (1/3) → |
1. | እቲ ብዘመን ዮስያስ፡ ወዲ ኣሞን ንጉስ ይሁዳ፡ ናብ ጸፎንያስ ወዲ ኩሺ፡ ወዲ ግዳልያ፡ ወዲ ኣማርያ፡ ወዲ ህዝቅያስ፡ ዝመጸ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ። |
2. | ኣነ ንብዘሎ ኹሉ ኻብ ዝባን ምድሪ ኸጥፍኦ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። |
3. | ኣነ ንሰብን እንስሳን ከጥፍኦም እየ፡ ነዕዋፍ ሰማይን ዓሳታት ባሕርን ንመዓንቀፊታት ምስናይ እቶም ረሲኣንን ከጥፍኦም እየ፡ ንሰብውን ካብ ገጽ ምድሪ ኸጽንቶም ኣየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። |
4. | ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ዮርሳሌም ዚነብሩ ኹላቶምን ኢደይ ክዝርግሕ እየ፡ ካብዚ ቦታ እዚ ንተረፍ በዓል፡ ንስም ካህናት ጣኦታት፡ ምስናይ እቶም ካህናት ከጽንቶም እየ፡ |
5. | ነቶም ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ንሰራዊት ሰማይ ዚሰግዱን ነቶም ብማልካም ዚምሕሉን፡ |
6. | ነቶም ካብ እግዚኣብሄር ዚርሕቁን ንእግዚኣብሄር ዘይደልይዎን ዘይሐትዎን ከጽንቶም እየ። |
7. | መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ እያ፡ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ኣዳልዩ፡ ነቶም ዕዱማቱ ከአ ቀዲስዎም እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስቕ በሉ። |
8. | ኪኸውን ድማ እዩ፡ በታ መዓልቲ መስዋእቲ ሕሩድ እግዚኣብሄር፡ ኣነ ነቶም መሳፍንትን ደቂ ንጉስን ነቶም ክዳን ጓኖት ዚኽደኑን ክቐጽዖም እየ። |
9. | በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ነታ ልዳት ዚዘልዋ፡ ነቶም ንቤት ጎይትኦም ብዓመጽን ብጥበራን ዚመልእዋ ኹላቶም ክቐጽዖም እየ። |
10. | እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ደሃይ ጭድርታት ኻብ ደገ ዓሳ፡ ኣውያት ከአ ካብቲ ኻልኣይ ደገ፡ ካብ ኩርባታት ድማ ዓብዩ ምስብባር ኪስማዕ እዩ። |
11. | ኩሉ ህዝቢ ኸነኣን ጠፊኡ፡ እቶም ብሩር እተሰከሙ ኹላቶም ጸኒቶም እዮም እሞ፡ ኣቱም ኣብ መኽቴሽ እትነብሩ፡ ብኸዩ። |
12. | በቲ ዘመን እቲ ኪኸውን እዩ፡ ኣነ ንዮርሳሌም ብመብራህቲ ኽጉራጉራ እየ፡ ነቶም ኣብ ሓተላኦም እተቐመጡን ብልቦም፡ እግዚኣብሄርሲ ጽቡቕ ኣይገብር፡ ክፉእውን ኣይገብር፡ ዚብሉን ሰባት ክቐጾዖም እየ። |
13. | ገንዘቦም ኪዝመት፡ ኣባይቶም ኪባድም እዩ። ኣባይቲ ኺሰርሑ፡ ግናኸ ኣይክነብርዎን፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፡ ወይኑ ግና ኣይኪሰትዩን እዮም። |
14. | እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር፡ ድምጺ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ቀሪባ እያ፡ ኣዝያ ኸአ ትቕልጥፍ አላ። ሽዑ እቲ ጅግና ኣምሪሩ የእዊ። |
15. | እታ መዓልቲ እቲኣ መዓልቲ ቑጥዓ፡ መዓልቲ ጸበባን መከራን፡ መዓልቲ ምዕናውን ምብዳምን፡ መዓልቲ ጸልማትን እያ። |
16. | ነተን ዕሩዳት ከተማታትን በረኽቲ ግምብታትን መዓልቲ መለኸትን ኣውያትን እያ። |
17. | እቶም ሰብ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደሉ፡ ከጽብበሎም እየ፡ ከም ዕውራት ድማ ኪመላለሱ እዮም። ደሞም ከም ሐመድ ኪክዖ እዩ፡ ስጋኦም ከአ ከም ጎሓፍ። |
18. | ነቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኹላቶም ብድንገት ጥራስ ከጥፍኦም እዩ እሞ፡ በታ መዓልቲ ቑጥዓ እግዚኣብሄርሲ ብሩሮም ወይስ ወርቆም ኣይከናግፎምን እዩ፡ ግናኸ ኩላ እታ ሃገር ብሓዊ ቕንኣቱ ኽትወሐጥ እያ። |
Zephaniah (1/3) → |