Zechariah (9/14)  

1. ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብ ኩሎም ሰብን ናብ ኩሎም ነገድ እስራኤልን ኣቢሉ እዩ እሞ፡ ጾር ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሃገር ሓድራክን ኣብ ልዕሊ ደማስቆን ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ወሰና ዘላ ሃማትን ይዐርፍ፡ ኣዝየን ጥበበኛታት እየን እሞ፡ ኣብ ልዕሊ ጢሮስን ሲዶናን ከአ ይዐርፍ።
2. ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብ ኩሎም ሰብን ናብ ኩሎም ነገድ እስራኤልን ኣቢሉ እዩ እሞ፡ ጾር ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሃገር ሓድራክን ኣብ ልዕሊ ደማስቆን ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ወሰና ዘላ ሃማትን ይዐርፍ፡ ኣዝየን ጥበበኛታት እየን እሞ፡ ኣብ ልዕሊ ጢሮስን ሲዶናን ከአ ይዐርፍ።
3. ጢሮስ ዕርዳ ዐረደት፡ ብሩር ከም ሓመድ፡ ወርቂ ድማ ከም ጸብሪ መገዲ ደለበት።
4. እንሆ፡ እግዚኣብሄር፡ ኪሕዛ ንስልጣና ኸአ ናብ ባሕሪ ኺድርብዮ እዩ፡ ብሓዊ ድማ ሞኽ ክትብል እያ።
5. ኣስቃሎን ክትርእዮ እያ እሞ ክትፈርህ እያ፡ ጋዛውን ክትስቀ እያ፡ ዔቅሮን ድማ ተስፋኣ ተቖሪጹ እዩ እሞ፡ ከምኣ። ንጉስ ካብ ጋዛ ኺጠፍእ እዩ፡ ኣስቃሎን ክትርእዮ እያ እሞ ክትፈርህ እያ፡ ጋዛውን ክትስቀ እያ፡ ዔቅሮን ድማ ተስፋኣ ተቖሪጹ እዩ እሞ፡ ከምኣ። ንጉስ ካብ ጋዛ ኺጠፍእ እዩ፡ ኣስቃሎን ከአ ዚነብራ ኽትስእን እያ።
6. ኣነ ኣሽዶድ ድቓላ ኺነብር እዩ፡ ኣነ ድማ ንትዕቢት ፍልስጥኤማውያን ከጥፍኦ እየ።
7. ደሙ ኸኣአ ካብ ኣፉ፡ ጽያፉ ድማ ካብ መንጎ ኣስናኑ ኸውጽአሉ እየ፡ ንሱውን ንኣምላኽና ተርፍ ኪኽዕኖ፡ ኣብ ይሁዳ ኸአ ከም ሓለቓ ኪኸውን እዩ፡ ዔቅሮን ድማ ከም ይቡሳዊ።
8. ካብ ሰራዊት፡ ካብቲ ዚኸይድን ዚመጽእን፡ ክከላኸለላስ፡ ኣብ ዙርያ ቤተይ ከሰፍር እየ፡ ሕጂ በዒንተይ ርእየያ እየ እሞ፡ ድሕርዚ ጨቃኒ ከቶ ኣይኪሐልፎምን እዩ።
9. ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣዚኺ ተሓጎሲ፡ ኣቲ ጓል ዮርሳሌም፡ እልል በሊ። እንሆ ንጉስኪ ንሱ፡ ጻድቕ መድሓንን ትሑትን እዩ፡ ኣብ ኣድጊ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ አሎ።
10. ኣነ ኸአ ሰረገላ ኻብ ኤፍሬም፡ ፈረስ ድማ ካብ ዮርሳሌም ከጥፍእ እየ፡ ቀስቲ ውግእ ኪጠፍእ እዩ። ንሱ ነህዛብ ሰላም ኪነግሮም እዩ። ግዝኣቱ ኻብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፡ ካብቲ ርባ ኸአ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኪኸውን እዩ።
11. ንኣኺ ድማ ብሳላ ደም ኪዳንኪ ነቶም እሱራትኪ ኻብቲ ማይ ዜብሉ ጉድጓድ ከውጽኦም እየ።
12. ኣቱም ብተስፋ እተአሰርኩም፡ ናብቲ ዕርዲ ተመለሱ፡ ኣነ ኦጽፊ ገይረ ኸም ዝመልሰልኪ፡ ሎሚውን እነግረኪ አሎኹ።
13. ንርእሰይ ኢለ ንዩዳ ኸም ቐስቲ ገተርክዎ፡ ብኤፍሬም ድማ መላእክዎ። ኣቲ ጽዮን፡ ንደቅኺ፡ ኣብ ልዕሊ ደቅኺ፡ ዎ ዮናኒ፡ ከተንስኦም፡ ንኣኺ ድማ ከም ሰይፊ ጀግና ኽገብረኪ እየ።
14. እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኦም ኪርኤ እዩ፡ ፍላጻኡ ኸአ ከም በርቂ ኺወጽእ እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽውን መለኸት ኪነፍሕ፡ ብህቦብላ ንፋስ ደቡብ ድማ ኪኸይድ እዩ።
15. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኬዕቆቦም እዩ፡ ንሳቶም ድማ ኪውሕጡ፡ እምኒ ወንጭፍ ከአ ኪረግጹ እዮም፡ ኪሰትዩ፡ ብወይኒ ኸም ዝሰኽሩ ጫውጫው ኪብሉ፡ ከም ዋንጫ፡ ከም ኩርናዕ መሰውኢ ኺመልኡ እዮም።
16. ከምቲ ኣብ ምድሩ ዜንጸባርቕ ኣእማን ኣኽሊል እዮም እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ንህዝቡ ኸም መጓሰ ኼድሕኖም እዩ።
17. ሰናይ ኸንደይ ዓብዩ፡ ጽባቐኡስ ክንደይ ዓብዩ እዩ። እኽሊ ነጉባዝ ኮልዒ ወይኒ ኸአ ነዋልድ ኬዕብዮም እዩ።

  Zechariah (9/14)