Zechariah (8/14)  

1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከአ መጸ፡
2. ኣነ ብጽዮን ዓብዩ ቕንኢ ቐኒኤ አሎኹ፡ ብዓብዩ ቑጥዓውን ቀኒኤላ አሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
3. ኣነ ናብ ጽዮን ክምለስ፡ ኣብ ማእከል ዮርሳሌም ከአ ክነብር እየ። ዮርሳሌም ድማ ከተማ ሓቂ ኽትስመ፡ እቲ ኸረን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከአ ቅዱስ ከረን ኪስመ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
4. ኣረገውቲ ሰብኡትን ኣረገውቲ ኣንስትን ገና ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌም ኪቕመጡ እዮም፡ ዕድሚኦም ስለ ዝነውሔ ኸአ፡ ነፍሲ ወከፎም መምርኩሱ ኣብ ኢዱ ኽሕዝ እዩ። ኣደባባያት እታ ኸተማ ድማ በቶም ኣብተን ኣደባባያት ዚስሐቑ ኣወዳትን ኣዋልድን ኪመልኣ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
5. ኣረገውቲ ሰብኡትን ኣረገውቲ ኣንስትን ገና ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌም ኪቕመጡ እዮም፡ ዕድሚኦም ስለ ዝነውሔ ኸአ፡ ነፍሲ ወከፎም መምርኩሱ ኣብ ኢዱ ኽሕዝ እዩ። ኣደባባያት እታ ኸተማ ድማ በቶም ኣብተን ኣደባባያት ዚስሐቑ ኣወዳትን ኣዋልድን ኪመልኣ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
6. እግዚኣብሄር ኦይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ በተን መዓልቲት እቲኣተን ነዒንቲ ተረፍ እዚ ህዝቢ እዚ ዜደንቕ እንተ ኾነስ፡ ነዒንተይዶ ዜደንቕ ኪኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
7. እንሆ፡ ካብ ሃገር ምብራቕን ካብ ሃገር ምዕራብን ንህዝበይ ከድሕኖም እየ። ከምጽኦም ኣየ እሞ፡ ኣብ ማእከል ዮርሳሌም ኪነብሩ እዮም፡ ንሳቶም ህዝበይ ኪኾኑ እዮም ኣነ ኸአ ብሓቅን ብጽድቅን ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
8. እንሆ፡ ካብ ሃገር ምብራቕን ካብ ሃገር ምዕራብን ንህዝበይ ከድሕኖም እየ። ከምጽኦም ኣየ እሞ፡ ኣብ ማእከል ዮርሳሌም ኪነብሩ እዮም፡ ንሳቶም ህዝበይ ኪኾኑ እዮም ኣነ ኸአ ብሓቅን ብጽድቅን ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
9. ኣቱም በዘን መዓልትታት እዚአተን እቶም ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኽትህነችሲ መሰረት ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እተሰረተትላ መዓልቲ ኣብኣ ዝነበሩ ነብያት እተዛረብዎ፡ ካብ ኣፎም እዘን ቃላት እዚኤን እተሰምዑ ዘሎኹም፡ ኣእዳውኩም ኣጽንዑ፡ ይብል እግዚኣብሄር ሰራዊት።
10. ቅድሚ እዘን መዓልታት እዚኣተን ውዕለት ሰብን ውዕለት እንስሳን ኣይነበረን። ንኹሉ ሰብ ኣብ ንሓድሕዱ ፈንየዮ እየ እሞ፡ ብሰሪ ጸላኢ ነቲ ዝወጽእን ዚአቱን ሰላም ኣይነበረን።
11. ዘርኢ ሰላም ኪኸውን እዩ፡ ወይኒ ፍሬኣ ኽትህብ እያ፡ ምድሪ ኸአ ብቑላ ኽትህብ፡ ሰማያት ድማ ጠሎም ኪህቡ ነቶም ተረፍ እዚ ህዝቢውን እዚ ኹሉ ኸረስትዮም እየ እምበር፡ ሕጂስ ነቶም ተረፍ እዚ ህዝቢዚ ኸምቲ በተን ቀዳሞት መዓልትታት ዝነብርክዎ ኣይክኾኖምን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
12. ዘርኢ ሰላም ኪኸውን እዩ፡ ወይኒ ፍሬኣ ኽትህብ እያ፡ ምድሪ ኸአ ብቑላ ኽትህብ፡ ሰማያት ድማ ጠሎም ኪህቡ ነቶም ተረፍ እዚ ህዝቢውን እዚ ኹሉ ኸረስትዮም እየ እምበር፡ ሕጂስ ነቶም ተረፍ እዚ ህዝቢዚ ኸምቲ በተን ቀዳሞት መዓልትታት ዝነብርክዎ ኣይክኾኖምን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
13. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣቱም ቤት ይሁዳን ቤት እስራኤል፡ ከምቲ ኣብ ማእከል ኣህዛብ መርገም ዝኾንኩም፡ ከምኡ ኸድሕነኩም እየ፡ በረኸትውን ክትኮኑ ኢኹም፡ ኣይትፍርሁ ኣእዳውኩም ኣጽንዑ።
14. እግዚኣሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ከምቲ ኣቦታትኩም ምስ ኣቐምጥዑኒ ኽፉእ ክገብሩኩም ዝሐሰብክዎ እሞ ዘይተጠዓስኩሉ፡ ከምኡውን በዘን መዓልትታት እዚኣተን ንዮርሳሌምን ንቤት ይሁዳን ሰናይ ክገብረለን ከም ብሓድሽ ሐሲበ አሎኹ፡ ኣይትፍርሁ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
15. እግዚኣሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ከምቲ ኣቦታትኩም ምስ ኣቐምጥዑኒ ኽፉእ ክገብሩኩም ዝሐሰብክዎ እሞ ዘይተጠዓስኩሉ፡ ከምኡውን በዘን መዓልትታት እዚኣተን ንዮርሳሌምን ንቤት ይሁዳን ሰናይ ክገብረለን ከም ብሓድሽ ሐሲበ አሎኹ፡ ኣይትፍርሁ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
16. እቲ ኽትገብርዎ ዚግብኣኩም ነገርሲ እዚ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነንብጻይኩም ሓቂ ተዛረቡ፡ ኣብ ደጌታትኩም ፍርዲ ሓቅን ሰላምን ፍረዱ።
17. ካባኻትኩምውን ሓደ እኳ ብልቡ ንሓው እኩይ ኣይሕሰበሉ፡ ማሕላ ሓሶት ኣይትፍተው፡ ነዚ ኹሉ እጸልኦ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
18. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከአ መጸኒ፡
19. እቲ ጾም ናይ ራብዓይ ወርሕን እቲ ጾም ናይ ዓስራይ ወርሕንሲ ንቤት ይሁዳ ሓጎስን ደስታን ባህ ዜብል በዓላት ዓመትን ኪኾነሎም እዩ፡ እምበኣርሲ ሓቅን ሰላምን ኣፍቅሩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
20. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ህዝብታትን ኣብ ብዙሕ ከተማታት ዚነብሩን ገና ኺመጹ እዮም።
21. ኣብታ ሓንቲ ዚነብሩ ናብታ ኻልእ ኪኸዱ እዮም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክንምህለል፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከአ ክንደሊ ንኺድ፡ ኣነውን ክኸይድ እየ፡ ኪብሉ እዮም።
22. ብዙሓት ህዝብታትን ሓያላት ኣህዛብን ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ዮርሳሌም ኪደልይዎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከአ ኪምህለሉስ ኪመጹ እዮም።
23. በተን መዓልትታት እቲኣተን ካብ ኩሉ ቓንቛታት ኣህዛብ ዝኾኑ ዓሰርተ ሰብ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም፡ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝኾነ ሰሚዕና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና፡ ኪብሉ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

  Zechariah (8/14)