Zechariah (7/14)  

1. ኽነ ኸአ፡ ብራብዓይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፡ ብራብዐይቲ መዓልቲ ናይታ ከስለው እትበሀል ታስዐይቲ ወርሒ፡ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዘካርያስ ምጸ።
2. ቤትኤል ከአ ንሻሬጽርን ንሬገምሜልክን ምስ ሰቦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክምህልለን፡ ነቶም ካህናት ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራውትን ንነብያትን ክኣ፡ ከምቲ በተን ብዙሓት ዓምታት ዝገበርክዎዶ፡ በታ ሓምሰይቲ ወር ተፈልየ ኸበክ የ፡ ኢልም ኪነግርዎምን ለአኽዎም።
3. ቤትኤል ከአ ንሻሬጽርን ንሬገምሜልክን ምስ ሰቦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክምህልለን፡ ነቶም ካህናት ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራውትን ንነብያትን ክኣ፡ ከምቲ በተን ብዙሓት ዓምታት ዝገበርክዎዶ፡ በታ ሓምሰይቲ ወር ተፈልየ ኸበክ የ፡ ኢልም ኪነግርዎምን ለአኽዎም።
4. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራውት ከአ መጸኒ፡
5. ንኹል ህዝቢ እታ ሃግርን ንኻህናትን ከምዚ ኢልክ ተዛረቦም፡ በተን ሰብዓ ዓመት ኣብ ሓምሳይን ሳብዓይን ወርሒ እትጸሙን እትበኽዩን ዝነበርኩምሲ፡ ብሓቂዶ ንኣይ ኢኹም ዝጾምኩምለይ
6. ምስ እትበልዑን እትሰትዩን፡
7. ዮርሳሌምን እተን ኣብ ዙርያኣ ዝነበራ ኸተማታታን ሰብ ሰፊርወንን ሀዲኤንን ከለዋ ደቡብን ጎልጎልን ድማ ሰብ ሰፊርወን ከለዋ፡ እግዚኣብሄር ብኢድ እቶም ቀዳሞት ነብያት ገይሩ ዝአወጆ ቓልሲ እዚዶ ኣይኮነን፡
8. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከአ ንዘካርያስ መጾ፡
9. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ሓቀኛ ፍርዱ፡ ንሓድሕድኩም ድማ ሰናይን ምሕረትን ግበሩ።
10. ንመበለትን ንዘኽታምን ንስደተኛን ንድኻን ኣይትግፍዑ፡ ካባኻትኩምውን ሓደ እኳ ብልቡ ንሓው እከይ ኣይሕሰበሉ።
11. ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ፡ እምቢተኛ እንግድዓ መለሱ፡ ከይሰምዑውን ኣእዛኖም ኣጽመሙ።
12. ነቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብመንፈሱ ብኢድ እቶም ቀዳሞት ነብያት ገይሩ ዝሰደዶ ሕግን ቃላትን ከይሰምዑስ፡ ልቦም ከም ኣልማዝ ገበሩ፡ ስለዚ ኻብ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ዓብዩ ቑጥዓ ኾነ።
13. ክነ ድማ፡ ከምቲ ንሱ ዝጸውዔ፡ ንሳቶም ከኣ ዘይሰምዑ፡ ከምኡውን ንሳቶም ጸውዑ፡ ኣነ ኸአ ኣይሰምዑን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
14. ኣነውን ናብቶም ዘይፈልጥዎም ዘበሉ ኹሎም ኣህዛብ በተንክዎም እታ ሃገር ከአ ሓደ እኳ ዘይሓልፉን ዘይምለሳን ኮይና ብድሕሪኦም ባደመት፡ ነታ ሃገር ደስታውን ኣባደምዋ።

  Zechariah (7/14)