Zechariah (3/14)  

1. ንእያሱ ሊቀ ኻህናት ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ኸሎ ኣርኣየኒ፡ ሰይጣን ከአ ኪጻረሮ ኣብ የማኑ ቐይሙ፡ ነበረ።
2. እግዚኣብሄር ንሰይጣን፡ ኣታ ሰይጣን፡ እግዚኣብሄር ይግናሕካ፡ እቲ ዮርሳሌም ዝሐረያ እግዚኣብሄር ይግናሕካ፡ እዝስ ካብ ሓዊ እተመንጠለ እያድዶ ኣይኮነን በሎ።
3. እያሱ ኸአ ረሳሕ ክዳውንቲ ተኸዲኑ ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ ደው ኢሉ ነበረ።
4. እቲ መልኣኽ ከአ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ቖይሞም ዝነበሩ፡ ነቲ ረሳሕ ክዳውንቲ ኻብኡ ኣልዕልዎ፡ ኢሉ መለሰሎም። ንእኡ ኸአ ርኤ፡ ኣበሳኻ ኣውጻእኩልካ፡ ብሉጽ ክዳውንቲውን ከደንኩኻ፡ በሎ።
5. ኣነ ኸአ፡ ኣብ ርእሱ ጽሩይ መጠምጠምያ ተምጥሙሉ በልኩ። ንሳቶም ድማ ኣብ ርእሱ ጽሩይ መጠምጠምያ ጠምጠምሉ፡ ክዳውንቲውን ከደንዎ። እቲ መላኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኣብኡ ቖይሙ ነበረ።
6. እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከአ ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ መስከረሉ፡
7. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ብመገደይ እንተ ተመላለስካ፡ ነቲ ዝኣዘዝኩኻውን እንተ ሐሎኻስ፡ ንቤተይ ክትፈርዳ፡ ንኣጸደይ ከአ ክትሕልዋ ኢኻ፡ ምስ እዞም ኣብዚ ቖይሞም ዘለዎ ቦታ ኽህበካ እየ።
8. እምበኣርሲ፡ ኣታ እያሱ ሊቀ ኻህናት፡ ንስኻን እቶም ኣብ ቅድሜኻ ተቐሚጦም ዘለው ብጾትካን፡ ንሳቶም ንትእምርቲ ዚኾኑ ሰባት እዮም እሞ፡ ስማዕ፡ እንሆ፡ ኣነ ነቲ ባርያይ፡ እቲ ጨንፈር፡ ከምጽኦ እየ።
9. ስለዚ እታ ኣብ ቅድሚ እያሲ ዘንበርክዋ እምኒ እንሃ፡ ኣብ ሓንቲ እምንስ ሾብዓተ ዓይኒ አለዋ፡ እንሆ ኸአ፡ ቅርጻ ኽቐርጾ እየ፡ ንኣበሳ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ብሓንቲ መዓልቲ ኸርሕቒ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
10. በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይንን ኦም በለስን ንሓድሕዶም ክትተዓዳደሙ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

  Zechariah (3/14)