Zechariah (2/14)  

1. ኣዒንተይ ኣልዐልኩ፡ እንሆ ኸአ፡ ኣብ ኢዱ ገመድ መለክዒ ዝነበሮ ሰብኣይ ርኤኹ።
2. ኣነ ኸአ፡ ናበይ ኢኻ እይኸይድ ዘሎኻ፡ በልኩ። ንሱውን፡ ንዮርሳሌም ምግፍሓን ምንውሓን ክንደይ ከም ዝኾነ ኽርእስ፡ ክልክዓ እየ በለኒ።
3. እንሆ ኸአ፡ እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ወጸ፡ ካልእ መልኣኽ ድማ ኪጓነፎ ወጸ።
4. ንሱ ኸአ፡ ጎየ፡ ነዚ ጎበዝ እዚ፡ ዮርሳሌም፡ ሰብን እንስሳን ኣብ ማእከላ ስለ ዝበዝሑ፡ ከም ብዘይ መካበብያ ዘላ ኸተማ ኽትነብር እያ፡ እግዚኣብሄርውን፡ ኣነ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ዘላ ኸተማ ኽትነብር እያ፡ እግዚኣብሄርውን ፡ ኣነ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ሓዊ ክኾነላ፡ ኣብ ማእከላውን ንኽብሪ ክኸውን እየ፡ ይብል አሎ ኢልካ ንገሮ በሎ።
5. ንሱ ኸአ፡ ጎየ፡ ነዚ ጎበዝ እዚ፡ ዮርሳሌም፡ ሰብን እንስሳን ኣብ ማእከላ ስለ ዝበዝሑ፡ ከም ብዘይ መካበብያ ዘላ ኸተማ ኽትነብር እያ፡ እግዚኣብሄርውን፡ ኣነ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ዘላ ኸተማ ኽትነብር እያ፡ እግዚኣብሄርውን ፡ ኣነ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ሓዊ ክኾነላ፡ ኣብ ማእከላውን ንኽብሪ ክኸውን እየ፡ ይብል አሎ ኢልካ ንገሮ በሎ።
6. እግዚኣብሄር፡ ኣነ ኸምቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ በቲነኩም እየ፡ ይብል አሎ እሞ፡ ተንስኡ፡ ተንስኡ፡ ካብ ሃገር ሰሜን ህደሙ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
7. ኣቲ ምስ ጓል ባቢሎን ኣትነብሪ ጽዮን፡ ኣምልጢ።
8. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ እቲ ንኣኻትኩም ዚትንክስ፡ መርዓት ዓይኑ እዩ ዚትንኪ እሞ፡ ስለ ኽብሩ ናብቶም ዝዝመቱኹም ኣህዛብ ለአኸኒ።
9. እንሆ፡ ኣነ ኢደይ ከልዕለሎም እየ፡ ንሳቶም ከአ ነቶም ግዙኣቶም ዝነበሩ ዘመተ ኪኾንዎም እዮም፡ ንስኻትኩምውን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከም ዝለአኸኒ ኽትፈልጡ ኢኹም።
10. ኣቲ ጓል ጸዮን፡ እንሆ፡ እመጽእ አሎኹ፡ ኣብ ማእክልኪ ኸአ ክነብር እየ እሞ፡ እልል በሊ ተሐጎሲውን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
11. በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓትህዝብታት ናብ እግዚኣብሄር ኪሐብሩ፡ ህዝበይ ከአ ኪኾኑ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኪ ኽነብር እየ፡ ንስኺወን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናባኺ ኸም ዝላኣኸኒ ኽትፈልጢ ኢኺ።
12. እግዚኣብሄር ኣብታ ቅድስቲ ሃገር ንይሁዳ ኸም ግዲኡ ኺርስትያ፡ ንዮርሳሌም ከአ ገና ኺሐርያ እዩ።
13. እግዚኣብሄር ካብቲ ቅዱስ ማሕደሩ ተንሲኡ እዩ እሞ፡ ስጋ ዝለበሰ ኹሉ ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ይበል።

  Zechariah (2/14)