Zechariah (14/14)    

1. እንሆ፡ መዓልቲ እግዚኣብሄር ትመጽእ ኣላ ዝመቴኺ ኸአ ኣብ ማእከልኪ ኺምቀል እዩ።
2. ኣነ ኸአ ኩላቶም ኣህዛብ ንዮርሳሌም ኪዋግእዋ ኽእክቦም እየ፡ ኣንስታውን ኪንውራ እይየ። ፍርቂ እታ ኸተማ ድማ ተማሪኻ ኽትወጽእ እያ፡ ካብቲ ህዝቢ ዝተረፈ ግና ካባታ ኽተማ ብጥርስ ኣይኪጠፍእን እየ።
3. ሽዑ እግዚኣብሄር ኪወጽእ፡ ከምቲ ብመዓልቲ ውግእ እታዋግኦ፡ ነቶም ኣህዛብ ኪዋግኦም እዩ።
4. በታ መዓልቲ እቲኣ ኣእጋሩ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ዮርሳሌም ኣብ ምብራቕ ዘሎ ኸረን ዘይቲ ክቐውም እይ። እቲ ኸረን ዘይቲ ኸአ ናብ ምብራቕን ምዕራብን ኣብ ማእከሉ ኺስንጠቕ፡ ኣዝዩ ዓብዩ ሽንጭሮውን ኪኸውን እዩ፡ ፍርቅ እቲ ኸርረ ናብ ሰሜን፡ ፍርቁ ድማ ናብ ደቡብ ኪዘብል እዩ።
5. ሽንጭሮ እቲ ኣኽራን ክሳዕ ኣጸል ኪብጽሕ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም በቲ ሽንጭሮ ኣኽራነይ ክትሀድሙ ኢኽም። ብዘመን ኡዝያ ንጉስ ይሁዳ ኻብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ አም ዝሀደምኩም፡ ክትሀድሙ ኢኹም። እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ኪመጽእ እዩ፡ ኩላትም ቅዱሳን ከአ ምሳኻ።
6. በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፡ ብርሃንሲ ድና ኪኸውን እዩ እምበር፡ ነጸብራቑ ኣይኬብርህን እዩ።
7. ኣብ እግዚኣብሄር እንተፍለጠት ሓንቲ መዓልቲውን ትኽውን፡ መዕዓቲ ወይስ ለይቲ ኣይኮነን፡ ግናአ ኣጋ ምሸት ብርሃን ክኸውን እዩ።
8. በታ መዕዓቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፡ ህያው ማያት ካብ ዮርሳሌም፡ ፈረቓኡ ንና ምብራቓዊ ባሕሪ፡ ፈረቓኡ ኸአ ናብ ምዕራብዊ ባሕር ኣቢሉ ኺወጽእ እዩ፡ ብሓጋይን ብኽረምትን ክህሉ እዩ።
9. እግዚኣብሄር ከአ ኣብ ልዕሊ ኹላ ምድሪ ኺነግስ እዩ በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ሓደ፡ ስሙውን ሓደ ኪኸውን እዩ።
10. ኩላ እታ ሃገር ካብ ጌባዕ ክሳዕ ሪሞን ደቡብ ዮርሳሌም ናብ ጎልጎል ክትልወጥ እይ። ዮርሳሌም ከአ ልዕል ክትብ፡ ካብ ደገ ብንያም ክሳዕ እቲ ብታ ቐዳመይቲ ደገ፡ ክሳዕ ደገ ኹርናዕ፡ ካብ ግምቢ ሃናንኢኤ ድማ ክሳዕ መጽመቑ ንጉስ ኣብ ቦታኣ ኽትነብር እያ።
11. ኣብኣ ኺነብሩ እዮም፡ ድሕርዚ ድማ መርገም ኣይኪኸውንን እዩ፡ ዮርሳሌምውን ሀዲኣ ኽትነብር እያ።
12. እዚ ኸአ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም ንይርሳሌም ዝወግእዋ ኽላቶም ህዝብታት ዝወቕዓሉ መዓልት እዩ፡ በእጋሮም ድው ኢሎም ከለው ስጋኦም ኪምሽምሽ እዩ፡ ኣዒንቶም ኣብ ጓድጓደን ኪምሽምሻ እየን፡ ልሳኖም ድማ ኣብ ኣፎም ክትምሽምሽ እያ።
13. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸአ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ዓብዩ ዕግርግር ኬተንስአሎም እዩ። ንሳቶም ድማ ኢድ ሓድሕዶም ኪተሓሐዙ፡ ንአፍሲ ወከፎም ከአ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኢድ ብጻዩ ኼልዕል እዩ።
14. ይሁዳ ድማ ንዮርሳሌም ክዋግኣ እዩ፡ ሃብቲ እቶም ኣብ ዙርያ ዘለው ኹሎም ኣህዛብ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ክዳንውትን፡ ኪድለብ እዩ።
15. ከምኡውን እት ንፈረስን ንበቕልን ንገመልን ንኣድግን ነቶም ኣብቲ ሰፈር ዘለው ኹላቶም እንስሳ እትወቅዕን ምዓት ከምዛ መዓት እዚኣ ኽትከውን እያ።
16. ኪከውን ድማ እይ፡ ካብቶም ኣንጻር የሩሳሌም መጺኦም ዝነበሩ ኹሎም ኣህዛብ ዝተርፉ ዘበሉ ኹላቶም ንንጉስ፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪሰግዱን በዓል ዳስ ኬብዕሉን ኣብ ዐዓመት ኪድይቡ እዮም።
17. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ገለ ኻብዞም ዓሌት ምድሪ ነቲ ንጉስ፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ክሰግዱሉ፡ ናብ ዮርሳሌም ንተ ዘይደየቡ ኣብኦም ዝናም ኣይኪዘንምን እዩ።
18. ዓሌት እንተ ዝዘደየቡን ዘይመጹን ከአ ናብኦምውን ኣይኪዘንምን እዩ። እዚ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም በዕል ዳስ ኬብዕሉ ዘይድይቡ ኣህዛብ ዚቐጽዓሉ መዓት እዩ።
19. እዚ እቲ ቕጽዓት ግብጽን ቅጻት እቶም በዓል ዳስ ኬብዕል ዘይድይቡ ኹላቶም ኣህዛብን እዩ።
20. በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቃጽል ኣፍራስ፡ ቅዱስ ንእግዝኣብሄር፡ ዚብል ኪጽሐፍ እዩ። እት ኣብ ቢቤ እግዚኣብሄር ዘሎ ድስትታት ከምቲ ኣብ ቅዱስ መሰውእ ዘሎ ሓሊባት ኪኸውን እዩ።
21. ድስቲ ዘበለ ኹሉ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ይሁድዳ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪቕደስ እዩ። እቶም መሰዋእቲ ዚስውኡ ኹላቶም ከኣ ኪመጹ እዮም እሞ ካብኡ ወሲዶም ኣብኡ ኼብስሉ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከናኣናዊ ከቲ ኣይኪህልን እዩ።

  Zechariah (14/14)