Zechariah (13/14)  

1. በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት ዳዊትን ነቶም ኣብ ዮርሳሌም ዚነብሩን ንሓጢኣትን ርኽሰትን እትኸውን ዔላ ማይ ክትክፈተሎም እያ።
2. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ንስም ጣኦታት ካብታ ሃገር ከጥፍኦ እየ፡ ድሕርዚ ድማ ኣይኪዝከርን እዩ። ነቶም ነብያትን ነቲ ርኹስ መንፈስን ከአ ካብታ ሃገር ከልቅቖም እየ።
3. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ገለ ሰብ ገና እንተ ተነበየ፡ እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን ኣዲኡን፡ ንስኻ ብስም እግዚኣብሄር ሓሶት ተዛሪብካ ኢኻ ሞ፡ ብህይወት ኣይትነብር፡ ኪብልዎ እዮም። እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን ኣዲኡንውን ኪንበ ኽሎ ክወግእዎ እዮም።
4. በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ፡ እቶም ነብያት ነፍሲ ወከፎም ኪንበዩ ኸለው፡ ብርእዮም ኪሐንኩ እዮም፡ ንምሕሳው ከአ ጨጓር ባርኖስ ኣይኪለብሱን እዮም።
5. ግናኸ፡ ሰብ ካብ ንእስነተይ ገዚኡኒ እዩ እሞ፡ ሐረስታይ እየ እምበር፡ ነብዩ ኣይኮንኩን፡ ኪብል እዩ።
6. ንእኡ ኸእ፡ እዚ ኣብ ማእከል ኣእዳውካ ዘሎ ቑስሊ እንታይ እዩ፡ እንተ በልዎ፡ ንሱ ድማ፡ እዚ ኣብ ቤት እቶም ዘፍቀርኒ እተወጋእክዎ እዩ፡ ክብል እዩ።
7. ዎ ሰይፊ፡ ኣንጻር ጓሳይን ኣንጻር እቲ ብጻየይ ዝኾነ ሰብን ተንስእ፡ ነቲ ጓሳ ውቕዓይ፡ እንተ ኣባጊዕ ክአ ፋሕ ክብላ እየን፡ ኢደይ ድማ ኣንጻር እቶም ናኣሽቱ ኽመልስ እየ፡ ይብል ግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
8. ኣብ ኩላ እታ ሃገር ድማ ኪኽውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ቶም ክልተ ኢድ ኣብኣ ኪቖረጹን ኩሞቱን እዮም፡ እቲ ሲሶ ግና ኣብኣ ኺተርፍ እዩ።
9. ኣነ ኸአ ነቶም ሲሶ ናብ ሓዊ ኽእትዎም፡ ብሩር ከም ዚኹላዕ ክኽልዖም፡ ወርቂ ኸም ዚፍተን ክፍትኖም እየ። ስመይ ኪጽውዑ እዮም፡ ኣነውን ክሰምዖም እይየ ህዝበይ እዩ ክብል እየ። ንሱውን እግዚኣብሄር ኣምላኸይ እዩ ኪብል እዩ።

  Zechariah (13/14)