Zechariah (11/14)  

1. ኣታ ሊባኖስ ደጌታትካ፡ ፈት፡ ነእዋምካ ኸአ ሓዊ ይብልዓዮ።
2. ኣታ ጽሕዲ፡ ኦም ሊባኖስ ወዲቑ፡ እቶም ክቡራት በሪሶም እዮም እሞ፡ ዋይዋይ በል። ኣቱም ኣውሒ ባሳን እቲ ብርቱዕ ዱር ተቖሪጹ እዩ እሞ፡ ዋይዋይ በሉ።
3. ክብረቶም በሪሱ እዩ እሞ፡ ድምጺ ዋይዋይታ ጓሶት ይስማዕ፡ ትዕቢት ዮርዳኖስ በሪሱ እዩ እሞ፡ ድምጺ ምጉዛም ሽደናት ኣናብስ ይስማዕ።
4. እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከምዚ ይብል አሎ፡ ነተን ኣባጊዕ ማሕረዲ ጓሰየን።
5. እቶም ሸየጥተን ድማ ኣነስ ሃብቲመ እግዚኣብሄር ይመስገን ይብሉ፡ ጓሶተንውን ከቶ ኣይንሕፍወንን።
6. እምበኣርሲ ነቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ድሕርዚ ኣይክንሕፎምን እየ፡ ኤረ ኣነስ እንሆ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ኢድ ብጻዩን ኣብ ኢድ ንጉስንይን ክውፍዮ እየ፡ ንሳቶም ከአ ነታ ሃገር ኪሰባብርዋ እዮም፡ ኣነውን ካብ ኢዶም ኣይከናግፎምን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
7. ሽዑ ነተን ኣባጊዕ ማሕረዲ፡ እወ፡ ነተን መሳኺን እታ መጓሰ ኣባጊዕ፡ ጓሴኸወን። ክልተ በትሪ ድማ ወሰድኩ፡ ነታ ሓንቲ ጸጋ፡ ነታ ሓንቲ ኸአ ስምረት ኢለ ሰሜኽወን፡ ነትን መጓሰ ኣባጊዕውን ጓሴኽወን።
8. ነቶም ሰለስተ ጓሶት ብሓንቲ ወርሒ ኣጥፋእክዎም፡ ነፍሰይ ብኣታቶም ጸበባ፡ ነፍሶምውን ጸልኣትኒ።
9. ኣነ ኸአ ኣይክጓስዮምን እየ፡ እታ እትመውት ትሙት፡ እታ እትጠፍእ ትጥፋእ፡ እተን ዝተረፋ ድማ ስጋ ሓድሕሰን ይበላልዓ፡ በልኩ።
10. ነቲ ምስ ኩሎም ህዝብታት ዝአቶኽዎ ቓል ኪደነይ ከፍርስሲ። ነታ ጸጋ ዝስማ በትረይ ወዲሰ ሰበርክዋ።
11. በታ መዓልቲ እቲኣ ፈረሰ፡ በዚውን እተን ናባይ ዜስተብህላ ዝነበራ ድኻትታ እታ መጓሰ ቓል እግዚኣብሄር ምዃኑ ፈለጣ።
12. ኣነ ድማ፡ ነዒንትኹም ባህ እንተ አበለኩምሲ፡ ዋጋይ ሀቡኒ፡ እንተ ዘይኮነስ ሕደግዎ፡ በልክዎም። ንሳቶም ንዋጋይ ሰላሳ ብሩር መዘኑ።
13. እግዚኣብሄር ከአ፡ ነቲ ዘምገሙለይ ክቡር ገምጋም ናብ ሰራሕ መሬት ደርበዮ፡ በለኒ። ኣነ ድማ ነቲ ሰላሳ ብሩር ወሲደ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ናብቲ ሰራሕ መሬት ደርቤኽዎ።
14. ሽዑ ነቲ ኣብ መንጎ ይሁዳን እስራኤልን ዘሎ ሕውነት ከፍርስ፡ ነታ ስምረት ዝበልክዋ ኻልኣይቲ በትረይ ሰበርክዋ።
15. እግዚኣብሄር ከኣ፡ ነቲ ኣቓሓ ዓሻ ጓሳውን ንኣኻ ውሰዶ፡ በለኒ።
16. ስለዚ እንሆ ስጋ ስቡሓት ዚበልዕ፡ ሸኾናኤን ከአ ዝምንጭት እምበር፡ ነተን ዝጠፍኣ ግዲ ዘይገብረለ፡ ፋሕ ንዝበላ ድማ ዘይደልየን፡ ንተሰብራ ኸአ ዘይፍውስ፡ ንጥዑያትን ዘይቕልብ ጓሳ ኣብታ ሃገር ከተንስእ እየ።
17. እቲ ኣባጊዒ ዚፍኑ ዘይጠቅም ጓሳ ወይሉኡ። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ቕልጽሙን ኣብ ልዕሊ የማነይቲ ዓይኑን ይኹን፡ ቅልጽሙ ብጥራስ ኪነቅጽ፡ የማነይቲ ዓይኑ ኸአ ብዘላ ኽትጽልምይ እያ።

  Zechariah (11/14)