Zechariah (1/14)  

1. ብኻልአይቲ ዓመት ዳርዮስ፡ በታ ሳምነይቲ ወርሒ ናብ ነብዩ ዘካርያስ ወዲ በረክያ፡ ወዲ ዒዶ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣቦታትኩም ኣዝዩ ኾረየ።
2. ኣምበኣርሲ ንስኻ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ናባይ ተመለሱ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣነ ኸአ ናባኻትኩም ክምለስ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኢልካ ንገሮም።
3. ኣምበኣርሲ ንስኻ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ናባይ ተመለሱ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣነ ኸአ ናባኻትኩም ክምለስ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኢልካ ንገሮም።
4. ከም ኣቦታትኩም ኣይትኹኑ፡ ንኣታቶም እቶም ቀዳሞት ነብያት፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ካብ እኩይ መገድኹምን ካብ እኩይ ግብርኹምን ተመለሱ ይብል አሎ ኢሎም ነገርዎም፡ ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ ናባይ ከአ ጽን ኣይበሉን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
5. ኣቦታትኩም ኣበይ አለው፡ ነብያትከ ንዘለአለምዶ ብህይወት ይነብሩ እዮም፡
6. ግናኸ ንባሮተይ ነብያት ዝአዘዝክዎም ቃላተይን ሕጋጋተይን ነቦታትኩምዶ ኣየርከቦምን እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ተመለሱ እሞ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምቲ ብመጠን መገድናን ግብርናን ኪገብረና ኢሉ ዝሐሰቦ፡ ከምኡ ገበርና፡ በሉ።
7. ብኻልኣይቲ ዓመት ዳርዮስ፡ ብመበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ በታ ሽባጥ እትበሀል መበል ዓሰርተው ሓደ ወርሒ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ነብዩ ዘካርያስ፡ ወዲ በረክያ ወዲ ዒዶ፡ መጸ፡
8. ብለይቲ ርኤኹ፡ እንሆ ኸአ፡ ኣብ ሓመር ፈረስ እተወጥሔ ሰብኣይ፡ ንሱ ድማ ኣብቲ ትሕት ዝበለ ቦታ ኣብ ማእከል ኣእዋም ጸጾ ጠጠው በለ፡ ድሕሪኡውን ሓመራትን ጥርኝን ኣምበላያትን ኣፍራስ ነበሩ።
9. ሽዑ፡ ኣነ ፡ ጐይታየ እዚኣቶምሲ እንታይ እዮም በልኩ። እቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከአ፡ እዚኣቶም እንታይ ከም ዝኾኑ ኸርእየካ እየ በለኒ።
10. እቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ጸጾ ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብኣይ ከአ፡ እዚኣቶምሲ እቶም እግዚኣብሄር ንምድሪ ኽዞርዋ ዝሰደዶም እዮም፡ ኢሉ መለሰ።
11. ንሳቶም ድማ ነቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ጸጸ ደው ዝበለ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ ንሕና ንምድሪ ዞርናያ፡ እንሆ ኸአ ኩላ ምድሪ ስቕ ኢላ ዐሪፋ አላ፡ ኢሎም መለሱ።
12. ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ነዘን በተን ሰብዓ ዓመት እተቖጣዕካየን ዮርሳሌምን ከተማታት ይሁዳን ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትምሕረን፡ ኢሉ መለሰ።
13. እግዚኣብሄር ነቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ብጽቡቕ ቃላትን ብዜጸንናዕ ቃላትን መለሰሉ።
14. እቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከአ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ፡ ኣነ ንዮርሳሌምን ብጽዮንን ዓብዩ ቕንኣት ቀኒኤ አሎኹ፡ ቅሩብውን ኮርየ ነበርኩ፡ ንሳቶም ግና ንሕሰም ሐጊዞም እዮም እሞ ነቶም ሀዲኦም ዘለው ኣህዛብ ኣዝየ ኾርየሎም አሎኹ፡ ይብል አሎ፡ ኢልካ ኣውጅ በለኒ።
15. እቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከአ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ፡ ኣነ ንዮርሳሌምን ብጽዮንን ዓብዩ ቕንኣት ቀኒኤ አሎኹ፡ ቅሩብውን ኮርየ ነበርኩ፡ ንሳቶም ግና ንሕሰም ሐጊዞም እዮም እሞ ነቶም ሀዲኦም ዘለው ኣህዛብ ኣዝየ ኾርየሎም አሎኹ፡ ይብል አሎ፡ ኢልካ ኣውጅ በለኒ።
16. ስለዚ ኸአ እግዚኣብሄር፡ ኣነ ብምሕረት ናብ ዮርሳሌም እምለስ አሎኹ ይብል አሎ፡ ቤተይ ኣብኣ ኽትስራሕ እያ፡ ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊ ዮርሳሌም ኪዝርጋሕ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
17. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ከተማታተይ ገና ብሰናይ ኪረውያ እየን፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንጽዮን ገና ኼጸናንዓ እዩ፡ ንዮርሳሌም ድማ ገና ኺሐርያ እዩ፡ ይብል አሎ፡ ኢልካውን አውጅ።
18. ዓይነይ ኣልዐልኩ፡ እንሆ ከአ፡ ኣርባዕተ ቐርኒ ርኤኹ።
19. ኣነ ድማ ነቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ፡ እዚኣቶም እንታይ እዮም፡ በልክዎ። ንሱውን እዚኣቶም እቶም ንይሁዳን እስራኤልን ዮርሳሌምን ፋሕ ዘበልዎም ኣቕርንቲ እዮም፡ ኢሉ መለሰለይ።
20. እግዚኣብሄር ከአ ኣርባዕተ ሰራሒ ሓጺን ኣርኣየኒ።
21. ሽዑ ኣነ፡ እዚኣቶም እንታይ ኪገብሩ መጹ፡ በልኩ። ንሱ ኸአ፡ እቲኣቶም፡ ሓደ እኳ ርእሱ ኸየልዕል፡ ንይሁዳ ፋሕ ዘበሉ ኣቕርንቲ እዮም፡ እዚኣቶም ግና ኬፍርህዎም፡ ነቕርንቲ እቶም ንሃገር ይሁዳ ፋሕ ኬብሉ ኢሎም ቀርኖም ዘልዐሉ ኣህዛብ ከአ ኬውድቕ ዝመጹ እዮም፡ ኢሉ በለኒ።

      Zechariah (1/14)