Titus (3/3)    

1. ንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡ፡ ንመራሕቶም ኪእዘዙ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ፡
2. ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዂሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም።
3. ንሕናውን ቀደምሲ ዓያሱ፡ ዘይእዙዛት፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፋናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ነበርና።
4. እቲ ናይ መድሓኒ፡ ናይ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕሩ ንሰብን ምስ ተገልጸ ግና፡
5. ንሱ ብምሕረቱን ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን።
6. ብጸጋኡ ጸዲቕና፡ ብተስፋ ናይ ዘለአለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ።
7. ብጸጋኡ ጸዲቕና፡ ብተስፋ ናይ ዘለአለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ።
8. እዚ ቓልዚ እሙን እዩ፡ ነቶም ብኣምላኽ ዝኣመኑ፡ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኪቐንኡ፡ በዚ ኣጸቢቕካ ኸተረድኦም እደሊ ኣሎኹ። እዚ ጽቡቕን ንሰብ ዚጠቅምን እዩ።
9. ናይ ዕሽነት ክርክርን ቊጽሪ ወለዶታትን ብናይ ሕጊ ጫውጫው ባእስን ግና ዘይጠቅምን ከንቱን እዩ እሞ፡ ኣግልሰሉ።
10. ነቲ ሻረኛ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ጥፉእ ምዃኑ ባዕሉ ንርእሱ ዀኒኑውን ሓጢኣት ምግባሩ ፈሊጥካ፡ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ምስ መዐድካዮ፡ ኣርሕቆ።
11. ነቲ ሻረኛ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ጥፉእ ምዃኑ ባዕሉ ንርእሱ ዀኒኑውን ሓጢኣት ምግባሩ ፈሊጥካ፡ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ምስ መዐድካዮ፡ ኣርሕቆ።
12. ኣብ ኒቆጶሊስ ክኸርም መዲበዮ ኣሎኹ እሞ፡ ኣርጤማስ ወይስ ጥኪቆስ ምስ ለኣኽኩልካ፡ ቀልጢፍካ ናባይ ምጻእ።
13. ንዜናስ ፈላጥ ሕግን ንኣጵሎስን ገለ ነገር እኳ ኸይጐድሎም ኣጸቢቕካ ኣፋንዎም።
14. እቶም ናትናውን ብዘይ ፍረ ኸይኰኑ፡ ነቲ ብግዲ ዜድሊ ነገር ሰናይ ግብሪ ኺገብሩ ይምሀሩ።
15. ምሳይ ዘለዉ ዂሎም ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ብእምነት ዜፍቅሩና ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ በለልና። ጸጋ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።

  Titus (3/3)