Titus (1/3)  

1. ጳውሎስ፡ ባርያ ኣምላኽን ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስን፡ ብእምነት ሕሩያት ኣምላኽ ብፍልጠት ሓቂውን ምስ ኣምልኾ፡
2. በታ እቲ ዘይሕሱ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ዘለኣለም ዘተስፈዋ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡
3. ግናኸ ብትእዛዝ ኣምላኽ መድሓኒና በቲ ንዓይ ሕድሪ ዝሃበኒ ስብከት ገይሩ ብጊዜኡ ንቓሉ ገለጾ፡
4. ናብ ቲቶስ፡ ብሕብረት እምነት ናይ ሓቂ ወደይ። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦን ካብ ጐይታና መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻ ይኹን።
5. ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፡ ዝተረፈ ምእንቲ ኽትርስዕ፡ ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ክትሸይም፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሐደግኩኻ፡
6. እቲ ኤጲስቆጶስ ከኣ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባም፡ ቅኑዕ፡ ቅዱስ፡ ይኣኽለኒ በሃሊ፡ መንቅብ ዜብሉ፡ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፡ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፡ ዘይኲሪ፡ ናብ መስተ ዘየድህብ፡ ዘይዋቓዕ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ኪኸውን ይግብኦ።
7. እቲ ኤጲስቆጶስ ከኣ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባም፡ ቅኑዕ፡ ቅዱስ፡ ይኣኽለኒ በሃሊ፡ መንቅብ ዜብሉ፡ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፡ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፡ ዘይኲሪ፡ ናብ መስተ ዘየድህብ፡ ዘይዋቓዕ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ኪኸውን ይግብኦ።
8. እቲ ኤጲስቆጶስ ከኣ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባም፡ ቅኑዕ፡ ቅዱስ፡ ይኣኽለኒ በሃሊ፡ መንቅብ ዜብሉ፡ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፡ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፡ ዘይኲሪ፡ ናብ መስተ ዘየድህብ፡ ዘይዋቓዕ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ኪኸውን ይግብኦ።
9. ንሱ በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ምእንቲ ኸምዕድ፡ ነቶም ተቓናቓንቲውን ምግናሖም ምእንቲ ኺከኣሎ፡ በቲ እሙን ቃል ምህሮ ይጽናዕ።
10. ብዙሓት ዘይእዘዙ ተዛረብቲ ሃተውተውን መስሓትትን ኣለዉ፡ እዚኣቶም ምናዳ ኻብ ሰብ ግዝረት እዮም።
11. ንሳቶም ርኹስ ረብሓ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ዘይግባእ እናመሀሩ፡ ንብዘሎ ኣባይቲ ዚገላባበጡ፡ ምዕባስ ኣፎም ግቡእ እዩ።
12. ሓደ ኻባታቶም፡ ናታቶም ነብዪ፡ ሰብ ቅሬጥስ ኲሉ ሳዕ ሓሰውቲ፡ እኩያት ኣራዊት፡ ሀካያት ኣኽብዲ እዮም፡ በለ።
13. እዚ ምስክር እዚ ሓቂ እዩ። ስለዚ ብእምነት ምእንቲ ኺጥዕዩ፡ ናብ ጽውጽዋያት ኣይሁድን ናብ ትእዛዛት እቶም ካብ ሓቂ ዝዘምበሉ ሰባትን ከየቕልቡ፡ ኣሕሚምካ ግንሓዮም።
14. እዚ ምስክር እዚ ሓቂ እዩ። ስለዚ ብእምነት ምእንቲ ኺጥዕዩ፡ ናብ ጽውጽዋያት ኣይሁድን ናብ ትእዛዛት እቶም ካብ ሓቂ ዝዘምበሉ ሰባትን ከየቕልቡ፡ ኣሕሚምካ ግንሓዮም።
15. ነቶም ንጹሃት ብዘሎ ዂሉ ንጹህ እዩ፡ ነቶም ርዂሳትን ዘይኣምኑን ግና፡ እቲ ኣእምሮኦምን ሕሊናኦምን ርኹስ እዩ እምበር፡ ከቶ ንጹህ የብሎምን።
16. ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ፡ ፍንፉናትን ዘይእዘዙን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዂሉ ዘይጠቕሙን ብምዃኖም ግና በቲ ግብሮም ይኽሕድዎ ኣለዉ።

      Titus (1/3)