SongOfSongs (5/8)  

1. ሓብተይ፡ መርዓተየ፡ ናብ ገነተይ መጺኤ፡ ከርበይን ምኡዝ ቀመማተይን ቀንጢበ፡ መዓር ወለላይን መዓረይን በሊዔ፡ ወይነይን ጸባይ ሰትየ። ኣቱም ኣዕሩኽተይ፡ ብልዑ ስተዩ፡ ፍትዋተይ ኣብዚሕኩም ስተዩ።
2. ኣነ ደቀስኩ፡ ልበይ ግና ነቕሔ፡ ድምጺ ፍትወይ፡ ኣቲ ሓብተይ፡ ፍትውተይ፡ ርእሰይ ሀቦ፡ ጎተናይ ከአ ነጥቢ ለይቲ መሊኡ እዩ እሞ፡ ኣቲ ርግበይ፡ ፍጽምተይ፡ ክፈትለይ፡ እናበለ፡ ማዕጾ ኪኹሕኩሕ ሰማዕኩ።
3. ቀሚሸይ ኣውጺኤ እየ፡ ከመይ ኢለ ክኸደኖ፡ ኣእጋረይ ተሐጺበ እየ፡ ከመይ ኢለ ኸርስሖ፡
4. ፍትወይ ኢዱ ብነዃል ሰደደ፡ ውሽጠይ ብእኡ ተደፋነቐ።
5. ንፍትወይ ክኽፈተሉ ተንሳእኩ፡ ኣእዳወይ ከርበ፡ ኣጻብዔይ ከአ ኣብ ልዕሊ መትሓዝ መሃርሃሪ ፈሳሲ ኸርበ ኣንጠብጠበ።
6. ንፍትወይ አፈትክሉ፡ ፍትወይ ግና ከይዱ ረሐቐ፡ ኪዛረብ ከሎ፡ ነፍሰይ ጠለመትኒ፡ ደሌኽዎ ኣይረኸብክዎን ከአ፡ ጸዋዕክዎ ኣይመለሰለይን ድማ።
7. ሐለወቲ ኣብ ከተማ ኽዞሩ ኸለው ረኸቡኒ፡ ወቕዑኒ፡ አቑሰሉኒ፡ ሐልወቲ መካበብያ መጎክበብያይ ገፈፈኒ።
8. ኣትን ኣዋልድ ዮርሳሌም፡ ንፍትወይ እንተ ረኸብክናኦ፡ ብፍቕሪ ኸም ዝሐመምኩ ክትነግራኦ ኤምሕለክን አሎኹ።
9. ኣቲ ሐለፋ ኹለን ኣንስቲ እትጽብቒ፡ እዚ ፈታዊኺ ኻብ ካልእ ፈታዊ ዚበልጽ ከምይ ኢሉ እዩ፡ ከምዚ ጌርኪ እተምሕልናስ፡ እዚ ፈታዊኺ ኻብ ካልእ ፈታዊ ዚበልጽ ከምይ ኢሉ እዩ፡ ከምዚ ጌርኪ እተምሓልናስ፡ እዚ ፈታዊኺ ኻብ ካልእ ፈታዊዶ ይበልጽ እዩ፡
10. ፍትወይሲ ኻብ ዓሰርተ ሽሕ እተመርጸ ጻዕዳን ቀይሕን እዩ።
11. ርእሱ ኣዝዩ ጽሩይ ወርቂ እዩ፡ ጎተናኡ ኾርዳድ፡ ከም ኳኹ ዝምጽላሙ እዩ።
12. ኣዒንቱ ኸም ኣብ ጥቓ ፈልፋሊ ማይ ዘለዋ ርግብታት፡ ጸባ ተሓጺበን፡ ኣብ ምልአት ተነቢረን እየን።
13. ጉንጭታቱ ኸም ክፍሊ ኣታኽልቲ ቐመም፡ ከም ምኡዝ ኣትክልቲ እዩ፡ ከናፍሩ ፈሳሲ ኸርበ ዜንጠብጥባ ዕምበባ ሹሻን እየን።
14. ኣእዳው ክሪሶሊት እተሰንቀሮ ቐላብቲ ወርቂ እየን፡ ደረቱ ብሰፊሮስ እተሰለመ፡ ብልሓተኛ ዝገበሮ ስኒ ሓርማዝ እዩ።
15. ኣእጋሩ ብደገፍ ጽሩይ ወርቂ እተሰረታ ኣዕኑድ እምነ በረድ እየን፡ ትርኢቱ ኸም ሊባኖስ፡ ከም ኣእዋም ሊባኖስ እተመርጸ እዩ።
16. ኣፉ ኣዝዩ ጥዑም፡ ኩለንትንኡ ፍትዊ እዩ። ኣትን ኣዋልድ ዮርሳሌም፡ ፍትወይ እዚ እዩ፡ ፈታውየይሲ እዚ እዩ።

  SongOfSongs (5/8)