SongOfSongs (2/8)  

1. ኣነ ጽጌረዳ ሳሮን፡ ናይ ለሰ ዕምባባ ሹሻን እየ።
2. ፈታዊተይሲ ኣብ ማእከል ኣዋልድ ከም ኣብ ማኣከል እሾኹ ዝበቖለት ዕምባባ ሹሻን እያ።
3. ፈታውየይ ኣብ ማእከል ኣወዳት ከም ምልዖ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር እዩ። ኣብ ጽላሉ ባህ ኢሉኒ ተቐመጥኩ፡ ፍሬኡውን ንትንሓገይ ጥዑም እዩ።
4. ናብ ቤት ወይኒ ኣእተወኒ፡ ሰንደቕ ዕላማኡ ኣብ ልዕለይ ፍቕሪ እዩ።
5. ብፍቕሪ ሐሚመ እየ እሞ፡ ብጎጎ ዘቢብ ኣጽንዑኒ፡ ብምልዖ ደግፋኒ።
6. ጸጋመይቱ ተተርእሰኒ፡ የመንይቱ ኸኣአ ትሐቑፈኒ።
7. ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ንፍቕሪ ኽሳዕ እትደሊ፡ ከይተተንስኣኣን ከይተበራብራኣን ኢለ ብሜዳቁን ብእራብ መሮርን ኤምሕለክን አሎኽ።
8. ድምጺ ፈታውየይ፡ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ኣኽራን እናዘለለ፡ ኣብ ልዕሊ ኹርባታት እናተናጠረ ይመጽእ ኣሎ።
9. ፈታውየይ ንሚዳቑን ነርሕዶ እራብን ይመስል። እንሆ፡ ኣብ ክንይወ መካበብያና ደ ዊሉ ብመስኮት ይርኢ፡ ብዓይነ ርግቢ ይጥምት አሎ።
10. ፍትወይሲ፡ ኣቲ ፍትውተይ ፡ ተንስኢ፡ ጽብቕተየ፡ ንዒ ኢሉ ተዛረበኒ።
11. እንሆ፡ ክረምቲ ሐሊፉ፡ ዝናም ዛርዩ፡ ተወድኡ።
12. ዕምባባታት ኣብ ምድሪ ተራእየ፡ ጊዘ መዝሙር በጽሔ፡ ድምጺ ባሬቶ ኸአ ኣብ ምድርና ተሰምዔ።
13. በለስ ፍሬኡ ጎጎበ፡ ተኽሊ ወይኒ ዐምቢቡስ መአዛኡ የውጽእ አሎ። እቲ ፍትውተይ፡ ተንስኢ፡ ጽቡቕተየ፡ ንዒ።
14. ኣቲ ኣብ ቋቑራ ኸውሒ ፡ ኣብ መሕብኢ ጸድፊ ዘሎኺ ርግበይ፡ ድምጽኺ ጥዑም፡ ገጽኪውን ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ገጽኪ ኣርእየኒ፡ ድምጽኺ ኣስምዐኒ።
15. ኣታኽልቲ ወይንና ዐምቢቡ እዩ ኣሞ፡ ነታኽልቲ ወይኒ ዜበላሽዋ ወኻሩ፡
16. ፍትወይ ናተይ እዩ፡ ኣነውን ናቱ እየ፡ ንሱ ንመጓሴኡ ኣብ ማእከል ዕምባባታት ሹሻን የብልዔን።
17. ኣታ ፍትወየ፡ መዓልቲ ኽሳዕ ዚውልውል፡ ጽላሎት ከአ ክሳዕ ዚሀድምሲ፡ ከምተን ኣብ ኣኽራን ቤተር ዘለዋ ሚዳቑ ወይስ ኣርሕዶ እራብ ዃንካ፡ ተመለስ።

  SongOfSongs (2/8)