← SongOfSongs (2/8) → |
1. | ኣነ ጽጌረዳ ሳሮን፡ ናይ ለሰ ዕምባባ ሹሻን እየ። |
2. | ፈታዊተይሲ ኣብ ማእከል ኣዋልድ ከም ኣብ ማኣከል እሾኹ ዝበቖለት ዕምባባ ሹሻን እያ። |
3. | ፈታውየይ ኣብ ማእከል ኣወዳት ከም ምልዖ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር እዩ። ኣብ ጽላሉ ባህ ኢሉኒ ተቐመጥኩ፡ ፍሬኡውን ንትንሓገይ ጥዑም እዩ። |
4. | ናብ ቤት ወይኒ ኣእተወኒ፡ ሰንደቕ ዕላማኡ ኣብ ልዕለይ ፍቕሪ እዩ። |
5. | ብፍቕሪ ሐሚመ እየ እሞ፡ ብጎጎ ዘቢብ ኣጽንዑኒ፡ ብምልዖ ደግፋኒ። |
6. | ጸጋመይቱ ተተርእሰኒ፡ የመንይቱ ኸኣአ ትሐቑፈኒ። |
7. | ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ንፍቕሪ ኽሳዕ እትደሊ፡ ከይተተንስኣኣን ከይተበራብራኣን ኢለ ብሜዳቁን ብእራብ መሮርን ኤምሕለክን አሎኽ። |
8. | ድምጺ ፈታውየይ፡ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ኣኽራን እናዘለለ፡ ኣብ ልዕሊ ኹርባታት እናተናጠረ ይመጽእ ኣሎ። |
9. | ፈታውየይ ንሚዳቑን ነርሕዶ እራብን ይመስል። እንሆ፡ ኣብ ክንይወ መካበብያና ደ ዊሉ ብመስኮት ይርኢ፡ ብዓይነ ርግቢ ይጥምት አሎ። |
10. | ፍትወይሲ፡ ኣቲ ፍትውተይ ፡ ተንስኢ፡ ጽብቕተየ፡ ንዒ ኢሉ ተዛረበኒ። |
11. | እንሆ፡ ክረምቲ ሐሊፉ፡ ዝናም ዛርዩ፡ ተወድኡ። |
12. | ዕምባባታት ኣብ ምድሪ ተራእየ፡ ጊዘ መዝሙር በጽሔ፡ ድምጺ ባሬቶ ኸአ ኣብ ምድርና ተሰምዔ። |
13. | በለስ ፍሬኡ ጎጎበ፡ ተኽሊ ወይኒ ዐምቢቡስ መአዛኡ የውጽእ አሎ። እቲ ፍትውተይ፡ ተንስኢ፡ ጽቡቕተየ፡ ንዒ። |
14. | ኣቲ ኣብ ቋቑራ ኸውሒ ፡ ኣብ መሕብኢ ጸድፊ ዘሎኺ ርግበይ፡ ድምጽኺ ጥዑም፡ ገጽኪውን ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ገጽኪ ኣርእየኒ፡ ድምጽኺ ኣስምዐኒ። |
15. | ኣታኽልቲ ወይንና ዐምቢቡ እዩ ኣሞ፡ ነታኽልቲ ወይኒ ዜበላሽዋ ወኻሩ፡ |
16. | ፍትወይ ናተይ እዩ፡ ኣነውን ናቱ እየ፡ ንሱ ንመጓሴኡ ኣብ ማእከል ዕምባባታት ሹሻን የብልዔን። |
17. | ኣታ ፍትወየ፡ መዓልቲ ኽሳዕ ዚውልውል፡ ጽላሎት ከአ ክሳዕ ዚሀድምሲ፡ ከምተን ኣብ ኣኽራን ቤተር ዘለዋ ሚዳቑ ወይስ ኣርሕዶ እራብ ዃንካ፡ ተመለስ። |
← SongOfSongs (2/8) → |