Ruth (2/4)  

1. ንናእሚ ድማ ቦአዝ ዚብሀል ሃብታም ስልጡን ሰብኣይ ካብ ዓሌት ኤሌሜሌክ ዘመድ ሰብኣይ ነበረ።
2. ሩት እታ ሞኣባዊት ድማ ንናእሚ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ምሕረት ዝረኸበሉ ስዒበን ኣብ ግራት ከይደ ክቕርም ሕደገኒ በለታ። ንሳ ኸአ ኪዲ ጓለይ፡ በለታ።
3. ንሳ ድማ ከይዳ ናብ ግራት ኣትያ፡ ደድሕሪ እቶም ዓጻዶ ትቐርም ነበረት። እቲ ግራት እቲ ኸአ ብገርሃ ናይቲ ኻብ ዓሌት ኤሊሜሌክ ዝነበረ ቦኣዝ ኮነላ።
4. እንሆ ድማ፡ ቦኣዝ ካብ ቤትልሄም መጺኡ ነቶም ዓጻዶ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ እግዚኣብሄር ይባርኽካ በልዎ።
5. ቦኣዝ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓጻዶ ተመዚዙ ዝነበገረ ጊልያኡ፡ እዛ መርዓት እዚኣ ናይ መን እያ፡ በሎ።
6. እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓጻዶ እተመዘዘ ጊልያኡ ኸአ፡ ንሳ ምስ ናእሚ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ሞኣባዊት መርዓት እያ።
7. ደድሕሪ እቶም ዓጻዶ ኣብ መንጎ እንዳእቲ፡ ቀሪም ክአሪ ሕደገኒ በለት። ንግሆ ምስ መጸት ክአ ክሳዕ ሕጂ ደው ኢላ ኣላ እምበር፡ ኣብ ቤትሲ ቕሩብ ጊዜ እያ ዝጸንሔት፡ ኢለ መለሰ።
8. ሽዑ ቦኣዝ ንሩት ጓለይ ኣይሰማዕክንዶ፡ ክትቅርሚ ኢልኪ ናብ ካልእ ግራት ኣይትኺዲ፡ ምስ እዘን ግዙኣተይ ደአ ልገቢ እምበር፡ ካብዚ ኣይትሕለፊ።
9. ናብቲ ዚዐጽድዎ ግራት ርእዩ እሞ፡ ደድሕሪኦም ስዐቢ። ነቶም ግዙኣትሲ ኸይትንክዮኺ ኣዘኢዘዶ ኣይኮንኩን፡ ምስ ጸማእኪ ድማ፡ ናብቲ ዕትሮታት ኬድኪ ኻብቲ እቶም ግዙኣት ዝቐድሕዎ ስተዩ፡ በላ።
10. ሽዑ ንሳ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደትሉ፡ ኣነ ወሰንተኛ ኽንሰይሲ፡ ንኣይ ኽትፈልጠኒ ብምንታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞጎስ ረኸብኩ፡ በለቶ።
11. ቦኣዝ ድማ፡ እቲ ድሕሪ ሞት ሰብኣይኪ ንሓማትኪ ዝገብርክዮ፡ ኣቦኽን ኣዴኽን እተወለድክላ ምድርን ከም ዝሐደግኪ፡ ቅድሚ እዚ ናብ ዘይትፈልጥዮ ህዝቢ ድማ ከም ዝመጻኣኪ ኣጸቢቖም ነጊሮምኒ ኣለው።
12. እግዚኣብሄር ከም ግብርኺ ይፍዴኺ፡ ዓስብኺ ኸአ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ ኽትጽግዕዮ ኢልኪ መጺእኪ ዘሎኺ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሉእ ይኹን፡ ኢሉ መለሰላ።
13. ንሳ ኸአ፡ ጐይታየ፡ ከም ሓንቲ ኻብተን ግዙኣትካ እኳ ዘይኮንኩስ፡ ንልቢ ግዝእትኻ ተዛሪብካ ኣጸናኒካኒ ኢኻ እሞ። ኣብ ቅድሜኻስ ሞጎስ ኣርከብ በለት።
14. ቦአዝ ድማ በታ ጊዜ ምሳሕ፡ ናብዚ ቕረቢ እሞ ካብዚ ብልዒ ቑራስኪ ኸአ ኣብዚ መጺጽ ጥለቒ በላ። ንሳ ድማ ኣብ ጥቓ እቶም ዓጻዶ ተቐመጠት፡ ጥቡስ ሰዊት ከአ ሀባ፡፡ ንሳ ድማ በልዔት፡ ጸጊባውን ኣትረፈት።
15. ክትቅርም ምስ ተንስኤት ድማ፡ ቦአዝ ነቶም ግዙኣቱ፡ ኣብ ማእከል እንዳእቲ ትቐርም ኣይተሕፍርዋ፡
16. ካብ ዕትርቲ መዝሒቕኩም ከአ ክትርአዩ ሕደጉላ፡ ኣይትኾርዩላውን፡ ኢሉ ኣዘዞም።
17. ካብቲ ግራት ከአ ክሳዕ ምሸት ቀረመት። ነቲ ዝቐረመቶ ድማ ዘበጠቶ፡ ሓደ ኤፋ ዚአክል ስገም ድማ ኾነ።
18. ጾይራቶ ኸአ ናብ ከተማ ኣተወት፡ ሓማታ ድማ እቲ ዝቐረመቶ ረአየቶ፡ እቲ ተረፍ ጽጋባውን ኣውጺኣ ሀበታ።
19. እታ ሓማታ ኸአ፡ ሎሚ ኣበይ ቀሪምኪ ኣበይከ ዐዩኺ፡ እቲ እተላለየኪ ብሩኽ ይኹን፡ በለታ። ንሳ ኸአ ምስ መን ከም ዝዐየየት፡ ስም እቲ ሎሚ ምስኡ ዝዐረኹ ሰብኣይ ቦአዝ እዩ፡ ኢላ ንሓማታ ነገረታ።
20. ናእሚ ንሰበይቲ ወዳ፡ ንሱ ንህያዋንን ንምውታትን ምሕረቱ ዘይገደፈ፡ እግዚኣብሄር ይባርኮ፡ በለት። ናእሚ መሊሳ ድማ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ መቕረባና እዩ፡ ንሱ ኻብቶም ዚወርሱና እዩ፡ በለታ።
21. ሩት እታ ሞኣባዊት ከአ፡ ንሱስ ብዘሎ ዓጺድዶ ክሳዕ ዚውድኡ ምስቶም ግዙኣተይ ልገቢ ኢሉኒ፡ በለታ።
22. ናእሚ ድማ ንሩት ሰበይቲ ወዳ፡ ጓለይ፡ ኣብ ካልእ ግራት ማንም ከይትንክየክስ፡ ምስተን ግዙአቱ ኽትወጺ ጽቡቕ እዩ፡ በለታ።
23. ዓጺድ ስገምን ዓጺድ ስርናይን ክሳዕ ዚውዳእ ከአ፡ ነተን ግዙኣት ቦኣዝ ስዒባ ትቕርም ነበረት። ምስ ሓማታ ድማ ትቕመጥ ነበረት።

  Ruth (2/4)