Ruth (1/4)  

1. ኮነ ድማ፡ ብተኢ መሳፍንቲ ዚገዝእሉ ዝነበሩ ዘበን፡ ኣብታ ሃገር ጥሜት ኮነ። ሓደ ሰብኣይ ምስ ሰበቱን ክልተ ደቁን ካብ ቤትልሄም ይሁዳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ኪቅመጥ ከደ።
2. ስም እቲ ሰብኣይ እቲ ኤሊሜሌክ፡ ስም ሰበይቱ ኸአ ናእሚ፡ ስም ክልቲኦም ደቁውን ማሕሎንን ኪልዮንን ይበሀሉ፡ ኢፍራታውያን ካብ ቤትልሄም ይሁዳ ነበሩ። ናብ ምድሪ ሞኣብ መጺኦም ከአ ኣብኡ ተቐመጡ።
3. ኤሌሜሌክ ሰብኣይ ናእሚ ድማ ሞተ እሞ፡ ንሳ ምስ ክልቲኦም ደቃ ተረፈት።
4. ንሳቶም ከአ ሞኣባውያን ኣንስቲ ኣእተው፡ ስም እታ ሓንቲ ዖርጳ፡ ስም እታ ኻልኣይቲ ድማ ሩት ነበረ። ዓሰርተ ዓመት ዚአክል ኣቡኡ ተቐመጡ።
5. ማሕሎንን ኪልዮንን ከኡ ክልቲኦም ሞቱ። እታ ሰበይቲ ድማ ካብ ክልቲኦም ደቃን ካብ ሰብኣያን ተረፈት።
6. ሽዑ ንሳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ከላ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኸም ዝበጽሖም፡ እንጌራውን ከም ዝሀቦም ስምዔት እሞ፡ ንሳ ምስ ክልቲኤን ኣንስቲ ደቃ ተንሲኣ ኻብ ምድሪ ሞኣብ ተመልሰት።
7. ንሳ፡ ክልቲኤን ኣንስቲ ደቃ ኸአ ምስኣ፡ ካብታ ዝነበረታ ቦታ ወጸት። ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺምለሳ ድማ መገደን ከዳ።
8. ናእሚ ኸአ ንኽልቲኤን ኣንስቲ ደቃ፡ ኪዳ፡ ነፍሲ ወከፍክን ነናብ ቤት ኣዴኽን ተመለሳ። ከምቲ ምስቶም ምውታትን ምሳይን ዝገብርክናኦ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻትክን ምሕረት ይግበር።
9. ነፍሲ ወከፍክን ከአ በቤት ሰብኣይክን ዕረፍቲ ኽትረኽባ እግዚኣብሄር ይሀብክን፡ በለተን። ሽዑ ሰዐመተን፡ ንሳተን ከአ ድምጸን ዓው ኣቢለን በኸያ፡
10. ኣይፋልናን ምሳኺ ደኣ ናብ ህዝብንኺ ንምለስ በለኣ፡
11. ናእሚ ግና፡ ደቀየ፡ ስለምንታይከ ምሳይ እትኸዳ፡ ተመለሳ ደአ፡ ደጊምዶ ሰብኡትክን ዝኾኑ ደቂ ኣብ ከርሰይ ኣልዮምኒ፡
12. ደቀየ፡ ሰብኣይ ከይእቶ ኣሪገ እየ ኣሞ፡ ኪዳ ደአ ተመለሳ። ተስፋ ኣሎኒ እኳ እንተ ዝብልሲ፡ ኤረ ሎሚ ለይቲ ሰብኣይ እንተ ዝእቶ፡ ኣወዳት ከአ ኣንተ ዝወልድ፡
13. ንሳቶም ክሳዕ ዚዐብዩዶ ኽትጸንሓ ኢኽን፡ ምእንቲ እዚኸ ሰብኣይ ከይተአቶኽንዶ ኽትነብራ ኢኽን፡ ኣይፋልክን ደቀየ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣባይ መጺኣ እያ እሞ፡ ካብ ንኣኻትክንሲ ኣዝዩ ንኣይ ይመርር በለተን።
14. ሽዑ መሊሰን ድምጸን ዓው ኣቢለን በኸያ። ዖርጳ ንሓማታ ስዐመታ፡ ሩት ግና ምስኣ ተጸግዔት።
15. ንሳ ድማ፡ ሰበይቲ ሓሙርኪ እንሃ፡ ናብ ህዝባን ናብ ኣምላኻን ተመሊሳ፡ ንስኺውን ደድሕሪ ሰበይቲ ሓሙትኪ ተመለሲ፡ በለታ።
16. ሩት ግና፡ ሐዲገኪ ኻባኺ ንድሕሪት ክምለስሲ ግዲ ኣይትበልኒ። ናብ እትኸድዮ እኸይድ ኣብ እትሓድርዮ ኸአ እሐድር፡ ህዝብኺ ህዝበይ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ።
17. ኣብታ እትሞተላ እመውት፡ ኣብኣ ድማ እቕበር፡ ንኣይን ንኣኽን ብጀካ ሞት ካልእ እንተ ፈልዮናስ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ ኸአ ይወሰኸኒ በለት።
18. ምስኣ ንምኻድ ከም ዝቖረጸት ምስ ረአየት፡ ምዝራባ ሓደገት።
19. ናብ ቤትልሄም ክሳዕ ዚበጽሓ ኸአ ክልቲኤን ከዳ። ኮነ ድማ፡ ናብ ቤትልሄም ምስ ኣተዋ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ብዛዕባኤን ተበዐደት። እተን ኣንስቲ ኸአ፡ እዚኣስ እምበርዶ ናእሚ እያ፡ በላ።
20. ንሳ ድማ፡ እቲ ኹሉ ዚኽእል ብዙሕ ኣመሪሩኒ እዩ እሞ፡ ማራ ደኣ በላኒ እምበር፡ ናአምስ ኣይትበላኒ።
21. ኣነ መሊኤ ኸድኩ፡ እግዚኣብሄር ከአ ጥራይርይ መለሰኒ። እግዚኣብሄር ካብ መስከረለይ፡ እቲ ኹሉ ዝኽእል ድማ ካብ ኣኽፍኣለይከ፡ ስለምንታይ ናእሚ ትብላኒ ኣሎኽን በለተን።
22. ናእሚ ድማ ተመልሰት፡ ሩት እታ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ሞኣባዊት ሰበይቲ ወዳ ኸአ ምስኣ ነበረት። ንሳተን ብመጀመርታ ዓጺድ ስገም ናብ ቤትልሄም ኣተዋ።

      Ruth (1/4)