Romans (16/16)    

1. ንፌቤን ሓብትና፡ እታ ኣገልጋሊት ማሕበር ክንክርኤስ ግዳ፡ ኤማዕቊበኩም ኣሎኹ።
2. ንሳ ድማ ንብዙሓት ንኣይ ንርእሰይን ደጋፊት ነይራ እያ እሞ፡ ንቕዱሳን ከም ዚግባእ ጌርኩም ተቐበልዋ፡ ብትደልየኩም ዘበለ ተግባርውን ደግፍዋ።
3. ነቶም ብክርስቶስ የሱስ መዓይይተይ፡ ጵርስኪላን ኣኪላስን፡ ሰላም በሉ።
4. ንሳቶም ኣብ ክንዲ ይወተይ ክሳዶም ዘሕለፉ፡ ብዘለዋ ማሕበራት ኣህዛብ ከኣ ዜመስግኖም ዘሎኹ ኣነ ጥራይ ዘይኰንኩ ዘመስግኖም ዘሎኹ።
5. ነታ ኣብ ቤቶም ዘላ ማሕበርውን ሰላም በሉ። ንኤጴኔጦስ ፍቁረይ፡ ንሱ ድማ ንክርስቶስ በዂሪ እስያ ዝዀነ ሰላም በሉ።
6. ነታ ንኣኻትኩም ብዙሕ ዝጸዐርት ማርያም ሰላም በሉ።
7. ነቶም ኣብ ሃዋርያት ፍሉጣት፡ ቅድመይ ድማ ናብ ክርስቶስ ዝመጹ ምሳይውን እተኣስሩ ኣዝማደይ ኣንድሮኒቆስን ዮንይን ሰላም በሉ።
8. ንኣምጵልያስ ብጐይታ ፍቁረይ ሰላም በሉ።
9. ንኡርባኖስ ብክርስቶስ መዓይይትናን ንእስጣኩስ ፈታውየይን ሰላም በሉ።
10. ነቲ ብክርስቶስ እተፈተነ ኣጵሎስ ድማ ሰላም በሉ። ንስድራ ቤት ኣርስጦቡሎስ ሰላም በሉ።
11. ንሄሮድዮን ዘመደይ ሰላም በሉ። ነቶም ብጐይታ ዘለዉ ኻብ ስድራ ቤት ናርቂሶስ ሰላም በሉ።
12. ነተን ብጐይታ ዚጽዕራ ዘለዋ ጥሬፌናን ጥሬፎሳን ሰላም በሉ። ነታ ብጐይታ ብዙሕ ዝጸዐርት ጳርሲስ ፍቅርቲ ሰላም በሉ።
13. ነቲ ብጐይታ እተሐርየ ሩፎስን ነዲኡን ኣደይን ሰላም በሉ።
14. ንኣስንቅሪጦስን ንፍሌጎንን ንሄርሜስን ንጳጥሮባስን ንሄርማስን ምሳታቶም ንዘለዉ ኣሕዋትን ሰላም በሉ።
15. ንፊሎሎጎስን ንዩልያን ንኔርዮስን ንሓብቱን ንኦልምጳስን ነቶም ምሳታቶም ዘለዉ ዂሎም ቅዱሳንን ሰላም በሉ።
16. ንሓድሕድኩም ከኣ ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሀሉ። ኲለን ማሕበራት ክርስቶስውን ሰላ ይብላኹም ኣለዋ።
17. ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሀርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎን፡ ብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ።
18. ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሀርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎን፡ ብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ።
19. ምእዛዝኩም ኣብ ኵሉ ተሰሚዑ እዩ፡ ስለዚ ብኣኻትኩም እሕጐስ ኣሎኹ። ንሰናይ ብልህታት፡ ንእኩይ ግና ገርህታት ክትኰኑ፡ እደሊ ኣሎኹ።
20. ኣምላኽ ሰላም ከኣ ንሰይጣን ቀልጢፉ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ኪቕጥቅጦ እዩ። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን።
21. ጢሞቴዋስ፡ እቲ መዓይይተይ፡ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ሉክዮስን ያሶንን ሶሲጳጥሮስን ኣዝማደይ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
22. ኣነ ጠርጥዮስ፡ ንዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝጸሐፍኩ፡ ብጐይታ ሰላም እብለኩም ኣሎኹ።
23. እቲ ንኣይን ነታ ማሕበር ኲላን ግሽነት ዚቕበል ጋይዮስ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኤራስጦስ፡ እቲ ተሓዝ ገንዘብ ከተማን ቁኣርጦስ ሓዉናን ሰላም ይብልኹም ኣለዉ።
24. ነቲ ብወንጌለይን ብስብከት የሱስ ክርስቶስን ብምግሃድ እቲ ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ሕጂ ግና እተገልጸ ምስጢር፡ በቲ ብጽሕፈት ነብያትውን ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ ንምእዛዝ እምነት ንዅሎም ኣህዛብ እተነግረ ምስጢር፡ ነቲ ኼጽንዓኩም ዚክኣሎ፡
25. ነቲ ብወንጌለይን ብስብከት የሱስ ክርስቶስን ብምግሃድ እቲ ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ሕጂ ግና እተገልጸ ምስጢር፡ በቲ ብጽሕፈት ነብያትውን ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ ንምእዛዝ እምነት ንዅሎም ኣህዛብ እተነግረ ምስጢር፡ ነቲ ኼጽንዓኩም ዚክኣሎ፡
26. ነቲ በይኑ ጥበብ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
27. ጸጋ ጐይታና የሱስ ክስቶስ ምስ ኲላትኩም ይኹን፡፡ ኣሜን፡፡

  Romans (16/16)