Romans (11/16)  

1. እምብኣርሲ እብል ኣሎኹ፡ ኣምላኽ ንህዝቡዶ ደርብይዎም እዩ ያእ ኣይፋሉን። ኣነ እኳ እስራኤላዊ፡ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም፡ ካብ ዓሌት ብንያም እየ።
2. ኣምላኽ ነቲ ቐደም ዝፈለጦ ህዝቡ ኣይደርበዮን። ወይስ እቲ ጽሑፍከ ብዛዕባ ኤልያስ፡ ንሱ፡ ጐይታይ፡ ንነብያትካ ቐተልዎም፡ መሰውኢኻውን ኣፍረሱ፡ ኣነ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ፡ ንህይወተይ ድማ ይደልይዋ ኣለዉ፡ ኢሉ፡ ንእስራኤል ኣሳጢሑ ናብ ኣምላኽ እናጠርዔ፡ እንታይ ከም ዝበለዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም
3. ኣምላኽ ነቲ ቐደም ዝፈለጦ ህዝቡ ኣይደርበዮን። ወይስ እቲ ጽሑፍከ ብዛዕባ ኤልያስ፡ ንሱ፡ ጐይታይ፡ ንነብያትካ ቐተልዎም፡ መሰውኢኻውን ኣፍረሱ፡ ኣነ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ፡ ንህይወተይ ድማ ይደልይዋ ኣለዉ፡ ኢሉ፡ ንእስራኤል ኣሳጢሑ ናብ ኣምላኽ እናጠርዔ፡ እንታይ ከም ዝበለዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም
4. ምላሽ ኣምላኽከ እንታይ በሎ ንበዓል ዘይሰገዱ ሾብዓት ሽሕ ሰብኣይ ንርእሰይ ኣትሪፈ ኣሎኹ።
5. እምብኣርሲ ኸምኡውን ሕጂ በዚ ዘመንዚ ብሕርየት ጸጋ ተረፍ ኣሎ።
6. ብጸጋ ካብ ዚኸውን ግና፡ እምብኣርስ ካብ ግብሪ ኣይኰነን። ብዘይእዝስ እቲ ጸጋውን ጸጋ ኣይከውንን። ካብ ግብሪ ኻብ ዚኸውን ግና፡ ደጊም ጸጋ ኣይኰነን። እንተ ዘይኰነስ እቲ ግብሪውን ግብሪ ኣይከውንን እዩ።
7. እምብኣርሲ እንታይ ደኣ እዩ ከመዮ ጽሑፍ፡ ኣዒንቶም ከይርእያ፡ ኣእዛኖምውን ከይሰምዓስ፡ ኣምላኽ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ መንፈስ ምብዕዛዝ ሀቦም፡ ዚብል ዘሎ፡ እቶም ሕሩያት ረኸቡ እሞ፡ እስራኤል ነቲ ዚደልዮ ኣይረኸቦን፡ እቶም ዝተረፉውን ተረሩ።
8. እምብኣርሲ እንታይ ደኣ እዩ ከመዮ ጽሑፍ፡ ኣዒንቶም ከይርእያ፡ ኣእዛኖምውን ከይሰምዓስ፡ ኣምላኽ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ መንፈስ ምብዕዛዝ ሀቦም፡ ዚብል ዘሎ፡ እቶም ሕሩያት ረኸቡ እሞ፡ እስራኤል ነቲ ዚደልዮ ኣይረኸቦን፡ እቶም ዝተረፉውን ተረሩ።
9. ዳዊትውን፡ እቲ መኣዶም ንመፈንጠራን መድፈናን ንመዓንቀፍን መስጣን ይዀኖም፡
10. ከይርእዩ ኣዒንቶም ይጸልምታ፡ እንግድዓውቶም ከኣ ንሓዋሩ ኣጐብጥ፡ ይብል እዩ።
11. እምብኣርሲ እብል ኣሎኹ፡ ምእንቲ ኺወድቁ ድዮም እተዐንቀፉ ያእ ኣይፋሎምን። ምእንቲ ኬቕንኦም እባ ደኣ፡ እቲ ምውዳቖም ነህዛብ ምድሓን ኰነሎም።
12. እቲ ምውዳቖም ሃብቲ ዓለም፡ እቲ ምጒዳሎምውን ሃብቲ ኣህዛብ ካብ ኰኑ ግና፡ ምልኣቶ ደኣ ኽንደይ ኪበልጽ እዩ።
13. ንኣኻትኩም ኣህዛብ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ምናልባሽ ነቶም ስጋይ ዝዀኑ እንተ ኣቕናእክዎም ካባታቶምውን ገለ እንተ ኣድሐንኩስ፡ ኣነ ነህዛብ ሃዋርያኦም እየ እሞ፡ መልእኽተይ ኤኽብር ኣሎኹ።
14. ንኣኻትኩም ኣህዛብ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ምናልባሽ ነቶም ስጋይ ዝዀኑ እንተ ኣቕናእክዎም ካባታቶምውን ገለ እንተ ኣድሐንኩስ፡ ኣነ ነህዛብ ሃዋርያኦም እየ እሞ፡ መልእኽተይ ኤኽብር ኣሎኹ።
15. እቲ ምድርባዮም ንዓለም ዕርቂ ኻብ ኰነላስ፡ ምቕባሎም ደኣ ዘይ ህይወት ካብ ምዉታት፡ እንታይ ካልእ ኪኸውን ኢሉ
16. እቲ ቐዳማዩ ቅዱስ እንተ ዀነ፡ እቲ ብሑቚ ከኣ ቅዱስ እዩ። እቲ ሱር ቅዱስ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ጨንፈሩውን ቅዱስ እዩ።
17. ካብቶም ጨናፍር ሓያሎ እንተ ተሰብሩ እሞ ንስኻ፡ ኣውልዕ በረኻ ኽነስኻ፡ ኣብ መንጎኦም እንተ ተተኸልካ፡ ካብቲ ሱርን ማራ ኣውልዕን ድማ ተማቓሊ እንተ ዀንካ፡
18. ኣብቶም ጨነፍር ኣይትከበር። እንተ ተኸበርካ ግና፡ እቲ ሱር እዩ ንኣኻ ጾርይሩካ ዘሎ እምበር፡ ነቲ ሱርሲ ንስኻ ኣይኰንካን ጾይርካዮ ዘሎኻ።
19. ምናልባሽ ንስኻ፡ ኣነ ምእንቲ ኽትከል እዮም እቶም ጨነፍር እተሰብሩ፡ ትብል ትኸውን።
20. ጽቡቕ፡ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፡ ንስኻ ግና ሳላ ዝኣመንካ ደው ኢልካ ኣሎኻ። ፍራህ ደኣ እምበር፡ ብልብኻ ኣይትተዐበ።
21. ኣምላኽ ነቶም ካብ ባህርዮም ጨነፍር ዝነበሩ ኻብ ዘይነሐፎም፡ ንኣኻውን ኣይኪንሕፈካን እዩ።
22. እምብኣርሲ ናይ ኣምላኽ ለውሃትን ጭከናን ተመልከት፡ ኣብቶም ዝወደቑ ጭከናኡ፡ ንኣኻ ግና፡ ኣብቲ ለውሃቱ እንተ ጸናዕካ፡ ለውሃት ኣምላኽ። እንተ ዘይኰነስ ንስኻውን ክትቊረጽ ኢኻ።
23. ንሳቶም ኣብቲ ዘይምእማኖም እንተ ዘይጸንዑ ግና፡ ኣምላኽ ኸም ብሓድሽ ኪተኽሎም ይኽእል እዩ እሞ፡ ኪትከሉ እዮም።
24. ንስኻ ኻብታ ብባህርያ ኣውልዕ በረኻ ተቘሪጽካ፡ ብዘይመገዲ ባህርይ ኣብታ ጽብቕቲ ኣውልዕ ካብ ተተኸልካስ፡ እቶም ብባህርዮም ጨነፍር ዝነበሩ ግዳ ኸመይ ኣብታ ኦም ኣውልዖም ኣጸቢቖም ዘይትከሉ።
25. ኣሕዋተየ፡ ብርእስኹም ብልህታት ዝዀንኩም ምእንቲ ኸይመስለኩምሲ፡ ምልኣት ኣህዛብ ክሳዕ ዚኣቱ፡ ንሓያሎ ኻብ እስራኤል ትሪ ልቢ ኸም ዝበጽሖም፡ እዚ ምስጢር እዚ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ፡ ኣይፈቱን እየ።
26. ከምቲ ጽሑፍ፡ ተበጃዊ ኻብ ጽዮን ኪመጽእ እዩ፡ ካብ ያእቆብ ከኣ ረሲኣን ኬርሕቕ እዩ፡ ሓጢኣቶም ምስ ኣርሐቕኩ፡ ኪዳነይ ምሳታቶም እዚ ኪኸውን እዩ፡ ዚብሎ፡ ብዘሎ እስራኣኢአል ኪድሕን እዩ።
27. ከምቲ ጽሑፍ፡ ተበጃዊ ኻብ ጽዮን ኪመጽእ እዩ፡ ካብ ያእቆብ ከኣ ረሲኣን ኬርሕቕ እዩ፡ ሓጢኣቶም ምስ ኣርሐቕኩ፡ ኪዳነይ ምሳታቶም እዚ ኪኸውን እዩ፡ ዚብሎ፡ ብዘሎ እስራኣኢአል ኪድሕን እዩ።
28. ውህበት ጸጋ ኣምላኽን ጽውዓኡን ዘይጠዐሰሉ ስለ ዝዀነ፡ ብወንጌል ምእንታኹም ጸላእቲ እዮም፡ ብምሕራይ ግና ምእንቲ ኣቦታት ፍቁራት እዮም።
29. ውህበት ጸጋ ኣምላኽን ጽውዓኡን ዘይጠዐሰሉ ስለ ዝዀነ፡ ብወንጌል ምእንታኹም ጸላእቲ እዮም፡ ብምሕራይ ግና ምእንቲ ኣቦታት ፍቁራት እዮም።
30. ኣምላኽ ንዂሎም ምእንቲ ኺምሕሮም፡ ንዂሎም ኣብ ዘይምእዛዝ ዐጸዎም እሞ፡ ከምቲ ንስኻትኩም ቀደም ንኣምላኽ ዘይተኣዘዝኩምዎ፡ ሕጂ ግና ሳላ ዘይምእዛዝ እቲኣቶም እተምሐርኩም፡ ከምኡውን ንሳቶም በቲ ንስኻትኩም እተምሐርኩምሉ ምሕረት ምእንቲ ኺምሐሩ፡ ሕጂ ኣይተኣዘዙን።
31. ኣምላኽ ንዂሎም ምእንቲ ኺምሕሮም፡ ንዂሎም ኣብ ዘይምእዛዝ ዐጸዎም እሞ፡ ከምቲ ንስኻትኩም ቀደም ንኣምላኽ ዘይተኣዘዝኩምዎ፡ ሕጂ ግና ሳላ ዘይምእዛዝ እቲኣቶም እተምሐርኩም፡ ከምኡውን ንሳቶም በቲ ንስኻትኩም እተምሐርኩምሉ ምሕረት ምእንቲ ኺምሐሩ፡ ሕጂ ኣይተኣዘዙን።
32. ኣምላኽ ንዂሎም ምእንቲ ኺምሕሮም፡ ንዂሎም ኣብ ዘይምእዛዝ ዐጸዎም እሞ፡ ከምቲ ንስኻትኩም ቀደም ንኣምላኽ ዘይተኣዘዝኩምዎ፡ ሕጂ ግና ሳላ ዘይምእዛዝ እቲኣቶም እተምሐርኩም፡ ከምኡውን ንሳቶም በቲ ንስኻትኩም እተምሐርኩምሉ ምሕረት ምእንቲ ኺምሐሩ፡ ሕጂ ኣይተኣዘዙን።
33. ወዳጄ፡ መዓሙቚ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ ፍርዱ፡ ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብከ እዩ መገዱ።
34. ሓሳብ እግዚኣብሄር ዚፈልጥ መን እዩ ወይስ መን እዩ ዘማኽሮ
35. መንከ እዩ ቐደም ገለ ዝሀቦ እሞ ዚፍደዮ
36. ኲሉ ኻብኡ እዩ ብእኡን ንእኡን ድማ እዩ እሞ፡ ንእኡ ንዘለኣለም ክብሪ ይዂኖ። ኣሜን።

  Romans (11/16)