Romans (1/16)  

1. ጳውሎስ ባርያ የሱስ ክርስቶስ፡ ሃዋርያ ኪኸውን እተጸውዔ፡ ንወንጌል ኣምላኽ እተፈልየ፡
2. ኣቐዲኡ ብነብያቱ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘተስፈዎ፡
3. ብዛዕባ ወዱ፡ ብሳ ኻብ ዘርኢ ዳዊት እተወልደ፡
4. ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና፡ ካብ ምዉታት ብምትንሳኡ፡ ብመንፈስ ቅዱስና ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብሓይሊ እተጋህደ፡
5. ስለ ስሙ ኣብ ኲሎም ኣህዛብ ምእዛዝ እምነት ክንተክል፡ ብእኡ ጸጋን ሃዋርያነትን እተቐበልና፡
6. ንስኻትኩም ከኣ ምሳታቶም ጽዉዓት የሱስ ክርስቶስ ኢኹም፡
7. ኣብ ሮሜ ንዘሎኹም ጽዉዓትን ቅዱሳንን ፍቁራት ኣምላኽ ኲላትኩም። ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይሀሉኹም።
8. እምነትኩም ኣብ ኲላ ዓለም ስለ እተወርየት፡ ቅድሚ ዂሉ ብዛዕባ ዂላትኩም ንኣምላኸይ ብየሱስ ክርስቶስ ኤመስግኖ ኣሎኹ።
9. ንምጽናዕኩም ገለ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም፡ ክርእየኩም እናፍቕ ኣሎኹ፡ ማለት፡ በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት፡ ናትኩምን ናተይን፡ ኣባኹምን ምሳኹምን፡ ምእንቲ ኽንጸናናዕሲ፡ ብዘይ ምቊራጽ ከም ዝሐስበኩም፡ ብፍቓድ ኣምላኽ እንተ ሰለጠንስ፡ ብገለ መገዲ ኣብ መወዳእታ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ብጸሎተይ ኲሉ ሳዕ ከም ዝልምን፡ እቲ ብወንጌል ወዱ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ ኣምላኽ ይምስክረለይ እዩ።
10. ንምጽናዕኩም ገለ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም፡ ክርእየኩም እናፍቕ ኣሎኹ፡ ማለት፡ በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት፡ ናትኩምን ናተይን፡ ኣባኹምን ምሳኹምን፡ ምእንቲ ኽንጸናናዕሲ፡ ብዘይ ምቊራጽ ከም ዝሐስበኩም፡ ብፍቓድ ኣምላኽ እንተ ሰለጠንስ፡ ብገለ መገዲ ኣብ መወዳእታ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ብጸሎተይ ኲሉ ሳዕ ከም ዝልምን፡ እቲ ብወንጌል ወዱ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ ኣምላኽ ይምስክረለይ እዩ።
11. ንምጽናዕኩም ገለ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም፡ ክርእየኩም እናፍቕ ኣሎኹ፡ ማለት፡ በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት፡ ናትኩምን ናተይን፡ ኣባኹምን ምሳኹምን፡ ምእንቲ ኽንጸናናዕሲ፡ ብዘይ ምቊራጽ ከም ዝሐስበኩም፡ ብፍቓድ ኣምላኽ እንተ ሰለጠንስ፡ ብገለ መገዲ ኣብ መወዳእታ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ብጸሎተይ ኲሉ ሳዕ ከም ዝልምን፡ እቲ ብወንጌል ወዱ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ ኣምላኽ ይምስክረለይ እዩ።
12. ንምጽናዕኩም ገለ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም፡ ክርእየኩም እናፍቕ ኣሎኹ፡ ማለት፡ በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት፡ ናትኩምን ናተይን፡ ኣባኹምን ምሳኹምን፡ ምእንቲ ኽንጸናናዕሲ፡ ብዘይ ምቊራጽ ከም ዝሐስበኩም፡ ብፍቓድ ኣምላኽ እንተ ሰለጠንስ፡ ብገለ መገዲ ኣብ መወዳእታ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ብጸሎተይ ኲሉ ሳዕ ከም ዝልምን፡ እቲ ብወንጌል ወዱ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ ኣምላኽ ይምስክረለይ እዩ።
13. ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ከምቲ ኣብቶም ካልኦት ኣህዛብ፡ ኣባኻትኩምውን ፍረ ምእንቲ ኽረክብሲ፡ ናባኻትኩም ንምምጻእ፡ ምኽረይ ከም ዝቘረጽኩ፡ ክሳዕ ሕጂ ግና ከም እተኸልከልኩ፡ ክትፈልጡ እፈቱ ኣሎኹ።
14. ንጽርኣውያንን ንኻልኦት ኣህዛብን ንለባማትን ንዓያሱን ዕዳ ኣሎኒ።
15. ስለዚ ብናይ ርእሰይሲ ኣብ ሮሜ ንዘሎኹምውን ወንጌል ክሰብከልኩም ተዳልየ ኣሎኹ።
16. ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡውን ንጽርኣዊ፡ ንዚኣምን ዘበለ ዂሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ።
17. ከምቲ ጽሑፍ፡ ጻድቕ ግና ብእምነት ይነብር፡ ዚብል፡ እቲ ጽድቂ ኣምላኽ ካብ እምነት ናብ እምነት ብእኡ ይገሀድ እዩ።
18. ቊጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዂሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ እዩ።
19. ኣምላኽ ገሊጹሎም እዩ እሞ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሉጽ እዩ፡
20. ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ።
21. ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተ።
22. ለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ እሞ፡ ንኽብሪ እቲ ዘይሐልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመም ዚብልን ንዚመስል ለወጥዎ።
23. ለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ እሞ፡ ንኽብሪ እቲ ዘይሐልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመም ዚብልን ንዚመስል ለወጥዎ።
24. ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜን፡ ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን፡ ኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሀቦም።
25. ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜን፡ ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን፡ ኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሀቦም።
26. ስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ።
27. እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑ፡ ሰብኡት ኣብ ሰብእቱ ነውሪ ገበሩ፡ ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ።
28. ከምቲ ኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም ኪሕዝዎ ዝየቋጸርዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ኪገብሩ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሀቦም
29. ዓመጻ ዘበለ፡ ሕሰም፡ ስስዔ፡ ክፍኣት ዝመልኦም፡ ምሉኣት ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰል፡ እከይ፡
30. ምሕሸዂሸዂቲ፡ ሓመይቲ፡ ኣብ ኣምላኽ ጽሉኣት፡ ገፋዕቲ፡ ኲሩዓት፡ ተዘሃርቲ፡ ተጣበብቲ እከይ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡
31. ደናቚርቲ፡ ጠለምቲ፡ ፍቕሪ ዜብሎም፡ ዘይድንግጹ፡
32. እዚኣቶም፡ ነቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ ሞት ከም ዚግብኦም፡ ነቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እናፈለጥዎ ኽነሶምሲ፡ ምስቶም ዚገብርዎ ድማ ይሰምሩ ኣለዉ እምበር፡ ዚገብርዋ ጥራይ ኣይኰኑን።

      Romans (1/16)