Revelation (9/22)  

1. እቲ ሓምሳይ መልኣኽ ድማ መለኸት ነፍሔ፡ ኰዀብ ከኣ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኺወድቕ ከሎ ርኤኹ፡ መርሖ ዓሚቚ ዔላውን ተዋህቦ።
2. ነቲ ዓሚቚ ዔላ ድማ ከፈቶ። ካብቲ ዔላ ኸኣ ከም ትኪ ዓብዪ እቶን ዚመስል ትኪ ወጸ። ብትኪ እቲ ዔላ ድማ ጸሓይን ኣየርን ጸልመተ።
3. ካቲ ትኪ ድማ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ወጸ፡ ከምቲ ንዕንቅርቢታት ኣብ ምድሪ ስልጣን ዘለወን ከኣ፡ ስልጣን ተዋህቦ።
4. ንእኡውን፡ ነቶም ኣብ ግምባሮም ማሕተም ኣምላኽ ዜብሎም ሰባት ጥራይ ደኣ እምበር፡ ኣብ ምድሪ ንዘሎስ፡ ንሳዕሪ፡ ወይስ ለምለም ንዘበለ፡ ወይስ ነእዋም ኣይትጒድኣዮም፡ ተባህለሉ።
5. ሓሙሽተ ወርሒ ደኣ ኺሳቕዮም እምበር፡ ከይቀትሎምውን ተዋህቦ። እቲ ስቓዮም ከም ስቓይ ዕንቅርቢት ንሰብ ክትነክስ ከላ እዩ።
6. በተን መዓልትታት እቲኣተን ሰባት ንሞት ኪደልይዎ እሞ ኣይኪረኽብዎን እዮም፡ ሙማትውን ኪምነዩ እዮም፡ እቲ ሞት ግና ካባታቶም ኪሀድም እዩ።
7. ትርኢት እቲ ኣንበሳ ድማ ንውግእ እተዳለዉ ኣፍራስ ይመስል፡ ኣብ ረርእሱውን ኣኽሊል ወርቂ ዚመስል ኣለዎ፡ ገጹ ኸኣ ከም ገጽ ሰብ እዩ።
8. ከም ጸጒሪ ኣንስቲ ዝበለ ጸጒሪ ድማ ኣለዎ፡ ኣስናኑውን ከም ኣስናን ኣናብስ እዩ።
9. ድርዒ ሓጺን ዚመስል ድርዒ ኸኣ ኣለዎ፡ ደሃይ ኣኽናፉውን ከም ደሃይ ሰረገላታት፡ ናይ ውግእ ዚጋልቡ ብዙሓት ኣፍራስ እዩ።
10. ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዚመስል ጭራን ሕንዝን ኣለዎ፡ ንሰብሲ ሓሙሽተ ወርሒ ኺጐድኦም ከኣ ኣብ ጭራኡ ስልጣን ኣለዎ።
11. ንጉስ ኣለዎ፡ ንሱ መልኣኽ መዓሙቚ እዩ፡ ስሙ ብእብራይስጢ ኣባዶን እዩ፡ ብጽርኢ ኸኣ ስሙ ኣጶልዮን ይብሀል።
12. እቲ ቐዳማይ ወዮ ሐሊፉ፡ ድሕርዚ ኸኣ እንሆ፡ ገና ኽልተ ወዮ ይመጽእ ኣሎ።
13. እቲ ሳድሳይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ካብተን ኣርባዕተ ቐርኒ ናይቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ነቲ መለኸት ዘልዎ ሳድሳይ መልኣኽ፡ ነቶም ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ ፍትሓዮም፡ ዚብል ድምጺ ሰማዕኩ።
14. እቲ ሳድሳይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ካብተን ኣርባዕተ ቐርኒ ናይቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ነቲ መለኸት ዘልዎ ሳድሳይ መልኣኽ፡ ነቶም ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ ፍትሓዮም፡ ዚብል ድምጺ ሰማዕኩ።
15. እቶም ነታ ሰዓትን መዓልትን ወርሕን ዓመትን እተዳለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ፡ ንሲሶ ሰብ ምእንቲ ኪቐትሉ፡ ተፈትሑ።
16. ቊጽሪ እቶም ሰራዊት ፈረሰኛታት ከኣ ክልተ እልፊ ጊዜ እልፊ እዩ፡ ቊጽሮም ሰማዕኩ።
17. ብራእይውን ከምኡ እቶም ኣፍራስን እቶም ተቐሚጦምዎም ዘለዉን ርኤኹ። ሓውን ህያክንቶስን ዲንን ዚመስል ድርዒ ኣለዎም። ኣራእስ እቶም ኣፍራስ ከኣ ኣራእስ ኣናብስ ይመስል፡ ካብ ኣፎምውን ሓውን ትክን ዲንን ይወጽእ።
18. በቲ ኻብ ኣፎም ዝወጸ ሓውን ትክን ዲንን፡ በዘን ሰለስተ መዓት እዚኤን ሲሶ ሰብ ተቐትለ።
19. ስልጣን እቶም ኣፍራስ ኣብ ኣፎምን ኣብ ጭራኦምን እዩ እሞ፡ እቲ ጭራኦም ኣትማን እዩ ዚመስል፡ ኣራእስውን ኣለዎ፡ ብእኡ ገይሮም ድማ እዮም ዚጐድኡ።
20. እቶም በዘን መዓት እዚኣተን ከይተቐትሉ ዝተረፉ ሰባት ከኣ፡ ንኣጋንንትን ነቶም ኪርእዩ፡ ወይስ ኪሰምዑ፡ ወይስ ኪኸዱ ዘይከኣሎም ጣኦታት ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ኣእማንን ኣዕጻውን ከይሰግዱ ኻብቲ ግብሪ ኣእዳዎም ኣይተነስሑን።
21. ካብ ነፍሲ ምቕታሎም፡ ወይስ ካብ ኣስማቶም፡ ወይስ ካብ ምንዝርናኦም፡ ወይስ ካብ ስርቆም ኣይተነስሑን።

  Revelation (9/22)