Revelation (8/22)  

1. ነቲ ሳብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ኣብ ሰማይ ኣስታት ፈረቓ ሰዓት ዚኣክል ስቕታ ዀነ።
2. ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ሾብዓት መላእኽቲ ደው ኢሎም ርኤኹ፡ ሾብዓተ መለኸትውን ተዋህቦም።
3. ካልእ መልኣኽውን መጸ እሞ፡ ጽንሃህ ወርቂ ሒዙ ኣብ መሰውኢ ደው በለ፡ ነቲ ጸሎት ኲሎም ቅዱሳት ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ምእንቲ ኺውስኾ ኸኣ፡ ብዙሕ ዕጣን ተዋህቦ።
4. እቲ ትኪ ዕጣን ከኣ ምስቲ ጽሎት እቶም ቅዱሳን ኰይኑ ኻብ ኢድ እቲ መልኣኽ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ደየበ።
5. እቲ መልኣኽ ድማ ጽንሃህ ወሲዱ ኻብ ሓዊ እቲ መሰውኢ መልኦ፡ ናብ ምድሪውን ደርበዮ፡ ነጐዳታትን ጭርሓታትን በርቅታትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ከኣ ዀነ።
6. ነቶም ሾብዓተ መለኸት ዘለዎም ሾብዓተ መላእኽቲ ድማ መለኸት ኪነፍሑ ተዳለዉ።
7. እቲ ቐዳማይ መልኣኽ መለኸት ነፍሔ እሞ ደም እተሖሶ በረድን ሓውን ኰነ፡ ናብ ምድሪውን ተደርበየ። ሲሶ ምድሪ ኸኣ ነደደ፡ ሲሶ ኣእዋምውን ነደደ፡ ብዘሎ ለምለም ሳዕሪ ድማ ነደደ።
8. እቲ ኻልኣይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ከም ከረን ዝበለ ነዳዲ ሓዊ ድማ ናብ ባሕሪ ተደርበየ። ሲሶ ባሕሪ ኸኣ ደም ኰነ።
9. ሲሶ እቲ ኣብ ባሕሪ ዚነብር ነፍሲ ዘለዎ ፍጡር ድማ ሞተ፡ ሲሶ መራኽብውን ጠፍኣ።
10. እቲ ሳልሳይ መልኣኽ ከኣ መለኸት ነፍሔ፡ ዓብዪ ኰዀብ ከም መብራህቲ እናነደደ ኻብ ሰማይ ወደቐ፡ ኣብ ሲሶ ርባታትን ዓይኒ ማያትን ከኣ ወደቐ።
11. ስም እቲ ኰዀብ ድማ ምረት እዩ ዚብሀል፡ ሲሶ ማያት ከኣ መረረ፡ መሪር ብምዃኑውን ብሰሪ እቲ ማይ ብዙሓት ሰብ ሞቱ።
12. እቲ ራብዓይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ሲሶኦም ምእንቲ ኺጽልምት፡ መዓልቲ ሲሶኦ ምእንቲ ኸይበርህሲ ለይቲውን ከምኡ ሲሶ ጸሓይ ሲሶ ወርሕን ሲሶ ኸዋኽብትን ተወቕዔ።
13. ርኤኹ ድማ፡ ሓደ ንስሪ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ዓው ብዝበለ ቓልውን፡ ብሰሪ እተን ተሪፈን ዘለዋ ደሃይ መለኸት ናይቶም መለኸት ኪነፍሑ ዘለዎም ሰለስተ መላእኽቲ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዘለዉ ወይለኦም፡ ወይለኦም፡ ወይለኦም፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።

  Revelation (8/22)