Revelation (6/22)  

1. እቲ ገንሸል ካብቲ ሾብዓተ ማሕተምሲ ሓደ ምስ ፈትሔ ኸኣ፡ ርኤኹ፡ ሓደ ኸም ደሃይ ነጒዲ ዝበለ ድማ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
2. ርኤኹውን እንሆ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ድማ ቀስቲ ኣለዎ ኣኽሊልውን ተዋህቦ፡ እናሰዐረስ ኪስዕር ከኣ ወጸ።
3. ነቲ ኻልኣይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ድማ፡ እቲ ካልኣይ እንስሳ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
4. ካልእ ሓመር ፈረስ ድማ ወጸ፡ ነቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺቃተሉስ፡ ንሰላም ካብ ምድሪ ኼርሕቓ ተዋህቦ፡ ዓብዪ ሰይፊውን ተዋህቦ።
5. ነቲ ሳልሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ እቲ ሳልሳይ እንስሳ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ርኤኹውን እንሆ፡ መጋል ፈርስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ ኣብ ኢዱ ሚዛን ኣለዎ።
6. ኣብ መንጎ እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ከም ድምጺ ዝበለ፡ ሓደ ኮይኒክስ ስርናይ ብዲናር፡ ሰለስተ ኮይኒክስ ስገም ከኣ ብዲናር፡ ዘይትን ወይንን ኣይትጒዳእ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
7. ነቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ድምጺ እቲ ራብዓይ እንስሳ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
8. ርኤኹውን እንሆ፡ ቡላ ፈረስ፡ ስም እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎውን ሞት እዩ፡ ሲኦል ከኣ ይስዕቦ። ብሰይፍን ጥሜትን ፌራን ብኣራዊት ምድርን ገይሮም፡ ንራብዓይ ኣፍ ምድሪ ኪቐትልዎ ስልጣን ተዋህቦም።
9. ነቲ ሓምሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ነፍሳት እቶም ስለ ቓል ኣምላኽን ስለቲ ዝነበሮም ምስክርን እተሐርዱ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ርኤኹ።
10. ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ ዎ ቅዱስን ሓቀኛን ጐይታ፡ ክሳኦ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ፧ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኻ ኽሳእ መኣዝ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም፧ እናበሉ ጠርዑ።
11. ንነፍሲ ወከፎም ድማ ጻዕዳ ኽዳን ተዋህቦም፡ እቶም ከማታቶም ኪቕተሉ ዘለዎም ብጾቶም ባሮትን ኣሕዋቶምን ክሳዕ ዚምልኡ ኸኣ፡ ገና ቕሩብ ዘመን ኪዐርፉ ተባህለሎም።
12. ነቲ ሳድሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ርኤኸ እሞ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ ጸሓይ ከም ወጮ ጸለመት፡ ወርሒውን ብዘላ ኸም ደም ኰነት።
13. ኦም በለስ፡ ብርቱዕ ንፋስ ሰሰው ምስ ኣበላ፡ ነቲ ዝጐዔ ፍሪኣ ኸም እተርግፍ፡ ከምኡ ኸኣ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ምድሪ ወደቑ።
14. ሰማይውን ከም ዚጥቕለል ክታብ ኣግለሰ። ብዘለዉ ኣኽራንን ደሴታትን ካብ ሰስፍራኦም ገዐዙ።
15. ነገስታት ምድርን መሳፍንትን ሓላቑ ኣሻሓትን ሃብታማትን ሓያላትን ኲሎም ባሮትን ጭዋታትን ኣብ ጐደጒድን ኣብ በዓትታት ኣኽራንን ተሐብኡ።
16. ነኽራንን ነኻውሕን ድማ ካብ ገጽ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ካብ ቊጥዓ እቲ ገንሸልንሲ ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉና፡ በልዎም።
17. እታ ዓባይ መዓልቲ ቊጥዓኦም መጺኣ እያ እሞ፡ መንከ እዩ ደው ኪብል ዚኽእል፧

  Revelation (6/22)