Revelation (5/22)  

1. ኣብ የማን እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ድማ ብውሽጡን ብወጻኢኡን ተጽሒፉ፡ ብሾብዓተ ማሕተም እተሐትመ መጽሓፍ ርኤኹ።
2. ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ፡ ነዚ መጽሓፍ እዚ ኺግንጽሎ ንመሓትሙውን ኪፈትሖ ዚበቅዕ መን ኣሎ፧ ኢሉ ብብርቱዕ ድምጺ ኺጭርሕ ከሎ ርእሕአኽዎ።
3. ነቲ መጽሓፍ እቲ ኺግንጽሎ ወይስ ኪራዮ ኣብ ሰማይ፡ ወይስ ኣብ ምድሪ፡ ወይስ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣይተኻእሎን።
4. ኣነ ድማ፡ ነቲ መጽሓፍ ዚግንጽሎ ወይስ ዚርእዮ ብቑዕ ሓደ እኳ ስለ ዘይተረኽበ፡ ብዙሕ በኼኹ።
5. ካብቶም ሽማግሌታት ሓደ ድማ፡ ኣይትብከ፡ እንሆ፡ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ፡ እቲ ሱር ዳዊት፡ ነቲ መጽሓፍ ኪግንጽሎን ነቲ ሾብዓተ ማሕተሙውን ኪፈትሖን ስዒሩ ኣሎ፡ በለኒ።
6. ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ኣብ ማእከል እቶም ስማግሌታትን ተሐሪዱ ኸም ዝነበረ ዚመስል ገንሸል ደው ኢሉ ርኤኹ። ንሱ ሾብዓተ ቐርንን ሾብዓተ ዓይንን ኣለዉዎ፡ ንሳቶም ከኣ እቶም ናብ ብዘላ ምድሪ እተላእኩ ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም።
7. ንሱ መጺኡ፡ ነቲ መጽሓፍ ካብ የማነይቲ ኢድ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ወሰዶ።
8. ነቲ መጽሓፍ ምስ ወሰዶ ኸኣ፡ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን፡ ነፍሲ ወከፎም መሰንቆን ዕጣን ዝመልእሕአ ጽዋእ ወርቅን ሒዞም፡ እዚ ድማ ጸሎት እቶም ቅዱሳን እዩ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል ተደፍኡ።
9. ንሳቶም ከኣ፡ ተሐሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዐዲግካሉ ኢኻ፡ ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም እሞ፡ ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶ፡ ነቲ መሓትሙውን ክትፈትሖ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ።
10. ንሳቶም ከኣ፡ ተሐሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዐዲግካሉ ኢኻ፡ ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም እሞ፡ ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶ፡ ነቲ መሓትሙውን ክትፈትሖ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ።
11. ርኤኹ ድማ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን ኣቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ሽማግሌታትን ከኣ ድምጺ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኩ፡ ቊጽሮም ድማ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ፡ ኣሻሕ ጊዜ ኣሻሕ እዩ።
12. ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ እቲ እተሐርደ ገንሸል፡ ንሱ ስልጣንን ሃብትን ጥበብን ሓይልን ክብርን ግርማን ውዳሴን ኪወስድ ብቑዕ እዩ፡ በሉ።
13. ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ኣብ ባሕርን ዘሎ ፍጡር ኣባታቶም ዘሎ ዘበለ ዂሉውን፡ በረኸትን ክብርን ግርማን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን ይኹን ኪብሉ ኸለዉ ሰማዕኩ።
14. እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸኣ፡ ኣሜን፡ በሉ። እቶም ሽማግሌታትውን ፍግም ኢሎም ሰገዱ።

  Revelation (5/22)