← Revelation (3/22) → |
1. | ናብ መልኣኽ ማሕበር ሳርዴስውን ጽሐፍ፡ እቲ፡ ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽን ሾብዓተ ከዋኽብትን ዘለውዎ፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ ኣሎኹ፡ ህያው ተብሂልካ ትስመ ኣሎኻ፡ ግናኸ ምዉት ኢኻ። |
2. | ንግብርኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ ምሉእ ኰይኑ ኣይረኸብክዎን እሞ፡ ንቑሕ ኩን፡ ነቶም ኪሞቱ ኢሎም ዘለዉ ኻልኦትውን ኣበርትዓዮም። |
3. | ደጊም ከመይ ጌርካ ኸም እተቐበልካን ከም ዝሰማዕካን ዘክር፡ ሐልዎ ተነሳሕውን። እንተ ዘይነቓሕካ ግና፡ ከም ሰራቒ ኽመጸካ እየ፡ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመጸካውን ኣይክትፈልጥን ኢኻ። |
4. | ኣብ ሳርዴስ ግና ክዳውንቶም ዘይጸየቑ ሒደት ስማት ኣለዉኻ፡ ንሳቶም ብቑዓት እዮም እሞ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ምሳይ ኪመላለሱ እዮም። |
5. | እቲ ዚስዕር ከምኡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ኪኽደን እዩ፡ ኣነውን ንስሙ ኻብ መጽሓፍ ህይወት ኣይክፍሕቆን እየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣቦይን ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ ንስሙ ኽእመኖ እየ። |
6. | እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። |
7. | ናብ መልኣኽ ማሕበር ፊላደልፍያውን ጽሐፍ፡ እቲ ቅዱስ፡ ሓቀኛ፡ መርሖ ዳዊት ዘለዎ፡ ንሱ ምስ ከፈተ፡ ሓደ እኳ ዘይዐጹ፡ ንሱ ምስ ዐጸወ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ዘይከፍት፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ |
8. | ንግብርኻ እፈልጦ ኣሎኹ። ዓቕምኻ ሒደት እዩ፡ ንቓለይ ሐሊኻዮ ንስመይውን ኣይከሐድካዮን እሞ፡ እንሆ፡ ሓደ እኳ ኺዐጽዎ ዘይኽእል ክፉት ደገ ሂበካ ኣሎኹ። |
9. | እንሆ፡ ካብቶም፡ ኣይሁድ ኢና፡ ዚብሉ ማሕበር ሰይጣን፡ ግናኸ ይሕስዉ ኣለዉ እምበር፡ ኣይሁድሲ ዘይኰኑ፡ እህበካ ኣሎኹ። እንሆ፡ ንሳቶም ከም ዚመጹን ኣብ ቅድሚ እግርኻ ኸም ዚሰግዱን ኣነ ኸም ዘፍቀርኩኻውን ከም ዚፈልጡን፡ ክገብሮም እየ። |
10. | ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሐሎኻዮ፡ ኣነ ድማ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኽትፍትኖም ናብ ኲላ ዓለም እትመጽእ ሰዓት ፈተና ኽሕልወካ እየ። |
11. | ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ። ሓደ እኳ ኣኽሊልካ ኸይዝርፈካስ፡ ነቲ ዘሎኻ ኣጽኒዕካ ሐዞ። |
12. | ነቲ ዚስዕር ኣብታ መቕደስ ኣምላኸይ ዓንዲ ኽገብሮ እየ፡ ካብኣ ከቶ ኣይኪወጽእን እየ። ስም ኣምላኸይን ስም እታ ኸተማ ኣምላኸይን፡ ናይታ ኻብ ኣምላኸይ ካብ ሰማይ እትወርድ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ነቲ ሓድሽ ስመይን ክጽሕፈሉ እየ። |
13. | እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። |
14. | ናብ መልኣኽ ማሕበር ሎዲቅያውን ጽሐፍ፡ እቲ ኣሜን፡ እሙን ሓቀኛ ምስክር፡ መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ |
15. | ዝሑል ወይስ ምዉቕ ዘይምዃንካ፡ ግብርኻ እፈልጥ ኣሎኹ። ብኻ ዝሑል ወይስ ምዉቕ ምዀንካ። |
16. | ከምዚ ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻ እሞ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ። |
17. | ሃብታምን ፈሳስን እየ፡ ሓንቲ ዝደልያ ነገር እኳ የብለይን ብምባልካ፡ ሕሱርን ዜደንግጽን ነዳይን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ዘሎኻ። |
18. | ምእንቲ ኽትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ኻባይ ክትዕድግ፡ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቅላዕን ክትክደንን ከኣ ጻዕዳ ኽዳውንቲ፡ ምእንቲ ኽትርኢ ነዒንትኻ ኽትኰሐለሉውን ኲሕሊ ኻባይ ክትዕድግ እመኽረካ ኣሎኹ። |
19. | ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም ዘበሉ እገንሖም እቐጽዖምውን እየ። ደጊም ቅናእ እሞ ተነሳሕ። |
20. | እንሆ፡ ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል ኣሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፡ ናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ፡ ንሱውን ምሳይ። |
21. | ከምቲ ኣነውን ዝሰዐርኩ እሞ ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጥኩ፡ ነቲ ዝስዕር ኣብ ዝፋነይ ምሳይ ኪቕመጥ ክህቦ እየ። |
22. | እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። |
← Revelation (3/22) → |