Revelation (2/22)  

1. ናብ መልኣኽ ማሕበር ኤፌሶን ጽሐፍ፡ እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ዝሐዘ፡ ኣብ ማእከል እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂውን ዚመላለስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡
2. ግብርኻን ጻዕርኻን ትዕግስትኻን፡ ነቶም እኩያት ሰባትውን ክትጾሮም ከም ዘይከኣልካን፡ ነቶም ሃዋርያት ኢና ዚብሉ እሞ ዘይኰኑ፡ ተዐዚብካዮምሲ ሓሰውቲ ዀይኖም ከም ዝረኸብካዮምን፡ እፈልጥ ኣሎኹ።
3. ትዕግስቲ ኸኣ ኣሎካ፡ ስለ ስመይ ኢልካውን ተጻወርካ፡ ኣይሰልኬኻን።
4. ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ እሞ እዚ ረኺበልካ ኣሎኹ።
5. እምብኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮ። እንተ ዘይኰነስ ክመጸካ፡ እንተ ዘይተነሳሕካውን፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብቲ ስፍራኡ ኸዝብሎ እየ።
6. ግናኸ ነቲ ኣነውን ዝጸልኦ ዘሎኸ ግብሪ ኒቆላውያን ንስኻ ትጸልኦ ኢኻ እሞ እዚ ግዳ ኣሎካ።
7. እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዚስዕር ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ህይወት ኪበልዕ ክህቦ እየ።
8. ናብ መልኣኽ ማሕበር ስሚርናውን ጽሐፍ፡ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን፡ ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝዀነን ከምዚ ይብል ኣሎ፡
9. ጸበባኻን ድኽነትካን፡ ግናኸ ሃብታም ኢኻ፡ ጸርፊ እቶም ኣይሁድ ኢና ዚብሉን፡ ግናኸ ማሕበር ሰይጣን እዮም እምበር፡ ኣይሁድስ ዘይኰኑ፡ እፈልጥ ኣሎኹ።
10. እንሆ፡ ምእንቲ ኽትፍተኑስ፡ ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ፡ ዓሰርተ መዓልቲውን ጸበባ ኺረኽበኩም እዩ እሞ፡ ነቲ ዚመጸካ መከራ ኣይትፍርሀዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፡ ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።
11. እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። እቲ ዚስዕር በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይኪጒዳእን እዩ።
12. ናብ መልኣኽ ማሕበር ጴርጋሞስውን ጽሐፍ፡ እቲ ኽልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ዝሐዘ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡
13. ኣበይ ከም እትነብር፡ ማለት ኣብቲ ናይ ሰይጣን ዝፋን ዘለዎ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ እሞ ንስመይ ኣጽኒዕካ ሒዝካዮ ኣሎኻ፡ ኣብቲ ሰይጣን ዚነብረሉ፡ ንኣንቲጳስ፡ ነቲ እሙን ምስክረይ፡ ኣብ ማእከልኩም ብዝቐተልዎ መዓልትታት እኳ ንእምነተይ ኣይክሐድካያን።
14. ነቲ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል መንሳተቲ ንምግባር፡ ንጣኦታት እተሐርደ ኺበልዑን ኪምንዝሩን ንባላቅ ዝመሀሮ ምህሮ በላዓም ዝሐዙ ስለ ዘለዉኻ ግና፡ ቅሩብ ነገር ረኺበልካ ኣሎኹ።
15. ከምኡውን በዛ መገዲ እዚኣስ ንምህሮ ኒቆላውያን ዝሐዝዎ ኣለዉኻ።
16. ስለዚ ተነሳሕ፡ እንተ ዘይኰነስ ቀልጢፈ ኽመጸካ፡ ብሰይፊ ኣፈይውን ክዋግኦም እየ።
17. እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዚስዕር ካብቲ ስዉር ማና ኽህቦ እየ፡ ጻዕዳ እምኒ ድማ፡ ብዘይ እቲ እተቐበላስ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ኣብታ እምኒ እቲኣ እተጻሕፈ ሓድሽ ስም ክህቦ እየ።
18. ናብ መልኣኽ ማሕበር ትያቲራውን ጽሐፍ፡ እቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝዀና ኣዒንቲ ዘለዋኦ፡ ኣእጋሩውን ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ዚመስል ወዲ ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡
19. ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ኣገልግሎትካን ትዕግስትኻን፡እቲ ግብርኻውን ካብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ኸም ዚበዝሕ፡ እፈልጥ ኣሎኹ።
20. ግናኸ ነታ፡ ነብዪት እየ፡ እናበለትሲ ነቶም ኣገልገልተይ ኪምንዝሩን ንጣኦታት እተሰውኤ ኸበልዑን እትምህሮምን እተስሕቶምን ዘላ ኢዛቤል፡ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ስቕ ኢልካ ምርኣይካ ረኺበልካ ኣሎኹ።
21. ምእንቲ ኽትንሳሕ ኢለ፡ ጊዜ ሂበያስ፡ ንሳ ግና ካብቲ ምንዝርናኣ ኽትንሳሕ ኣይደለየትን።
22. እንሆ፡ ኣነ ኣብ ዓራት ሕማም ከውድቓ እየ፡ ነቶም ምስኣ ዚዝምዉ ኸኣ፡ ካብቲ ግብራ እንተ ዘይተነስሑስ፡ ናብ ብርቱዕ ጸበባ ኸእትዎም እየ።
23. ንደቃውን ብሞት ክቐትሎም እየ፡ ኣነ ልብን ኰላሊትን ዝምርምር ምዃነይ ከኣ ብዘለዋ ማሕበራት ኪፈልጣ እየን። ንነፍሲ ወከፍኩምውን ከከም ግብርኹም ክህበኩም እየ።
24. ኣብ ትያቲራ ንዘሎኹም ኲላትኩም ካልኦት ግና፡ ነቲ መዓመቚ ሰይጣን፡ ከመዮ ንሳቶም ዚብልዎ፡ ዘይፈለጥኩምዎ፡ እዚ ምህሮ እዚ ንዜብልኩም፡ ንኣኻትኩምሲ፡ ካልእ ጾር ኣየጹረኩምን እየ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
25. ክሳዕ ዝመጽእ ግዳ ነቲ ዘሎኩም ኣጽኒዕኩም ሐዝዎ።
26. ነቲ ዚስዕርን ክሳዕ መወዳእታውን ግብረይ ዚሕሉንሲ፡ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ እተቐበልክዎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣህዛብ ከሰልጥኖ እየ። ከምቲ ኣቕሓ መሬት ዚሰባበር ገይሩ፡ ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ።
27. ነቲ ዚስዕርን ክሳዕ መወዳእታውን ግብረይ ዚሕሉንሲ፡ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ እተቐበልክዎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣህዛብ ከሰልጥኖ እየ። ከምቲ ኣቕሓ መሬት ዚሰባበር ገይሩ፡ ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ።
28. ኰዀብ ጽባሕውን ክህቦ እየ።
29. እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።

  Revelation (2/22)