Revelation (19/22)  

1. ድሕርዚ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሕ ሰብ ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ፡ ሃሌሉያ፡ ፍርዲ ሓቕን ጽድቅን ስለ ዝዀነ፡ ንሱ ነታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍኤት ዓባይ ኣመንዝራ ስለ ዝፈረዳ፡ ንደም ባሮቱውን ካብ ኢዳ ስለ እተፈድየ፡ ምድሓንን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
2. ድሕርዚ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሕ ሰብ ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ፡ ሃሌሉያ፡ ፍርዲ ሓቕን ጽድቅን ስለ ዝዀነ፡ ንሱ ነታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍኤት ዓባይ ኣመንዝራ ስለ ዝፈረዳ፡ ንደም ባሮቱውን ካብ ኢዳ ስለ እተፈድየ፡ ምድሓንን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
3. ካልኣይ ጊዜ ድማ፡ ሃሌልዩ፡ በሉ። ትካውን ንዘለኣለመ ኣለም ይወጽእ።
4. እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ከኣ ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽ፡ ኣሜን፡ ሃሌሉያ፡ እናበሉ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።
5. ኻብቲ ዝፋንውን፡ ኣቱም እትፈርህዎ ናእሽቱን ዓበይትን ኲሉዂም ባሮቱ፡ ንኣምላኽና ወድስዎ፡ ዚብል ድምጺ ወጸ።
6. ከም ድምጺ ብዙሕ ሰብን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ብርቱዕ ነጐዳታትን ዝበለ ኸኣ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ፡ ሃሌሉያ። መርዓ እቲ ገንሸል በጺሑ፡ መርዓቱውን ተዳልያ እያ እሞ፡ ንተሐጐስ ባህ ድማ ይበለና፡ ንእኡውን ክብሪ ንሀቦ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
7. ከም ድምጺ ብዙሕ ሰብን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ብርቱዕ ነጐዳታትን ዝበለ ኸኣ፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ፡ ሃሌሉያ። መርዓ እቲ ገንሸል በጺሑ፡ መርዓቱውን ተዳልያ እያ እሞ፡ ንተሐጐስ ባህ ድማ ይበለና፡ ንእኡውን ክብሪ ንሀቦ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
8. ብን ዝበለ ጻዕዳ ሻሽን ጽሩይ ክዳንን ክትክደን ከኣ ተዋህባ። እቲ ሻሽ እቲ ድማ ጽድቂ እቶም ቅዱሳት እዩ።
9. ንሱ ኸኣ፡ እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ ገንሸል እተዐደሙ ብጹኣን እዮም፡ ጽሐፍ፡ በለኒ። ንሱውን፡ እዚ እቲ ናይ ሓቂ ቓል ኣምላኽ እዩ፡ በለኒ።
10. ኣነ ከኣ፡ ክሰግደሉ ኢለ፡ ናብ ቅድሚ ኣእጋሩ ፍግም በልኩ። ንሱ ድማ፡ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ምስክር የሱስ እቲ መንፈስ ትንቢት እዩ እሞ፡ ኣነስ ከማኻን ከምቶም ምስክር የሱስ ዚሕዙ ዘለዉ ኣሕዋትካን ባርያ እየ፡ ንኣምላኽ ደኣ ስገድ፡ በለኒ።
11. ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ርኤኹ። እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሀል፡ ብጽድቂውን እዩ ዚዳንን ዚዋጋእን።
12. ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣብ ርእሱውን ብዙሕ ዘውድታት ኣለዎ፡ ብጀካኡስ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ ኣለዎ።
13. ብደም እተዐለሰ ኽዳን ተወንዚፉ እዩ፡ ስሙውን ቃል ኣምላኽ እዩ።
14. ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ሻሽ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሌታት ኣፍራስ ተቐሚጦም ሰዐብዎ።
15. ካብ ኣፉ ኸኣ ነህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ። ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ፡ ነቲ መጽመቚ ወይኒ ናይቲ ብርቱዕ ቊጥዓ ዂሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከኣ ንሱ ይረግጾ።
16. ኣብ ክዳኑን ኣብ ምሕኲልቱን ድማ፡ ንጉስ ነገስት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ ዚብል ጽሑፍ ስም ኣለዎ።
17. ሓደ መልኣኽ ድማ ኣብ ጸሓይ ደው ኢሉ ርኤኹ እሞ ነተን ኣብ ማእከል ሰማይ ዚነፍራ ዘለዋ ዂለን ኣዕዋፍ፡ ስጋ ነገስታትን ስጋ ሓለቓታትን ስጋ ሓያላትን ስጋ ኣፍራስን ናይቶም ተቐማጥኦምን፡ ስጋ ዂሎም ጭዋታትን ባሮትን ናይ ናእሽቱን ዓበይትን ክትበልዓስ፡ ንዕኔ፡ ናብቲ ዓብዪ ናይ ጐይታ ድራር ተኣከባ፡ እናበለ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ።
18. ሓደ መልኣኽ ድማ ኣብ ጸሓይ ደው ኢሉ ርኤኹ እሞ ነተን ኣብ ማእከል ሰማይ ዚነፍራ ዘለዋ ዂለን ኣዕዋፍ፡ ስጋ ነገስታትን ስጋ ሓለቓታትን ስጋ ሓያላትን ስጋ ኣፍራስን ናይቶም ተቐማጥኦምን፡ ስጋ ዂሎም ጭዋታትን ባሮትን ናይ ናእሽቱን ዓበይትን ክትበልዓስ፡ ንዕኔ፡ ናብቲ ዓብዪ ናይ ጐይታ ድራር ተኣከባ፡ እናበለ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ።
19. እቲ ኣራዊትን እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከኣ፡ ምስቲ ኣብ ፈረስ እተቐመጠን ምስቶም ሰራዊቱን ኪዋግኡ ተኣኪቦም ርኤኹ።
20. እቲ ኣራዊት ተታሕዘ፡ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት እተቐበሉን ንምስሉ ዝሰገዱን ዜስሕቶም ትእምርቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝገበሩ ነብዪ ሓሶትውን ምስኡ ተታሕዘ፡ ንኽልቲኣቶም ብህይወቶም ከለዉ፡ ናብቲ ብዲን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ ደርበይዎም።
21. እቶም ዝተረፉ ድማ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ዚወጽእ ሰይፊ ተቐትሉ፡ ኲለን ኣዕዋፍውን ስጋኦም በሊዔን ጸገባ።

  Revelation (19/22)