← Revelation (16/22) → |
1. | ካብታ መቕደስ ከኣ ነቶም ሾብዓተ መላእኽቲ፡ ኪዱ፡ ነቲ ናይ ቊጥዓ ኣምላኽ ሾብዓተ ጽዋእ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ፡ ዚብሎም ብርቱዕ ድምጺ ሰማዕኩ። |
2. | እቲ ቐዳማይ ከደ እሞ ጽዋኡ ናብ ምድሪ ኣፍሰሰ። ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዘለዎምን ንምስሉ ዝሰገዱን ሰባት ከኣ ክፉእ ብርቱዕ ቊስሊ ወጾም። |
3. | እቲ ኻልኣይ ድማ ጽዋኡ ናብ ባሕሪ ኣፍሰሰ። እቲ ባሕሪ ኸኣ ከም ናይ ምዉት ሰብ ዚመስል ደም ኰነ፡ ኣብቲ ባሕሪ ዝጸንሔ ትንፋስ ዘለዎ ዂሉ ህያው ድማ ሞተ። |
4. | እቲ ሳልሳይውን ጽዋኡ ናብ ርባታትን ዔላታትን ኣፍሰሰ፡ ደም ከኣ ዀነ። |
5. | እቲ መልኣኽ ማያት ድማ፡ ኣታ ቅዱስ፡ ዘሎኻን ዝነበርካን፡ እዚ ብምፍራድካ ጻድቕ ኢኻ፡ |
6. | ደም ቅዱሳትን ደም ነብያትን ኣፍሲሶም እዮም እሞ፡ ንስኻ ድማ ኪሰትዩ ደም ሀብካዮም፡ ዚግብኦምውን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። |
7. | እቲ መሰውኢ ድማ፡ እወ፡ ኣታ ዂሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ፍርድታትካስ ሓቅን ቅንዕናን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። |
8. | እቲ ራብዓይ ከኣ ጽዋኡ ኣብ ጸሓይ ኣፍሰሰ፡ ንእኣውን ንሰብ ብሓዊ ኸተንድድ ተዋህባ። |
9. | እቶም ሰብ ድማ ብብርቱዕ ሃሩር ነደዱ፡ ንስም እቲ ኣብዘን መዓታት እዚኤን ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ከኣ ጸረፍዎ፡ ክብሪ ኺህብዎውን ኣይተነስሑን። |
10. | እቲ ሓምሳይ ከኣ ጽዋኡ ኣብ ዝፋን እቲ ኣራዊት ኣፍሰሰ። እታ መንግስቱ ድማ ጸልመተት፡ ብሰሪ እቲ ስቓይውን ልሳውንቶም ሐየኹ። |
11. | ብሰሪ እቲ ቓንዛኦምን ኣቚሳሎምን ከኣ ነቲ ኣምላኽ ሰማይ ጸረፍዎ፡ ካብ ግብሮምውን ኣይተነስሑን። |
12. | እቲ ሳድሳይውን ጽዋኡ ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ። ነቶም ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዚመጹ ነገስታት ድማ መገዲ ምእንቲ ኺዳለወሎም፡ እቲ ማዩ ነጸፈ። |
13. | ካብ ኣፍ እቲ ገበልን ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን ካብ ኣፍ እቲ ነብዪ ሓሶትን ከኣ ቊርዖብ ዚመስሉ ሰለስተ ርኹሳት መናፍስቲ ኺወጹ ኸለዉ ርኤኹ። |
14. | እዚኣቶም፡ ትእምርቲ እናገበሩ ንነገስታት ኲላ ዓለም በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዂሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ ኪእክብዎም ዚወጹ ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ እዮም። |
15. | እንሆ፡ ከም ሰራቒ እመጽእ ኣሎኹ። ጥራዩ ምእንቲ ኸይከይድ ንሕፍረቱውን ከይርእይዎ፡ እቲ ዚነቅሕ ክዳኑውን ዚእርንብ ብጹእ እዩ። |
16. | ንሳቶም ከኣ ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዚብሀል ቦታ ኣከብዎም። |
17. | እቲ ሳብዓይውን ጽዋኡ ኣብ ኣየር ኣፍሰሰ። ካብታ መቕደስ ካብቲ ዝፋን ከኣ፡ ኰይኑ፡ ዚብል ብርቱዕ ድምጺ ወጸ። |
18. | በርቅታትን ደሃያትን ነጐዳታትን ድማ ዀነ። ከምኡ ዝበለ ኽንድዚ ዚኣክል ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርስ፡ ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዚፍጠር ከቶ ዘይኰነ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ። |
19. | እታ ዓባይ ከተማ ኸኣ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ ተመቕለት ከተማታት ኣህዛብውን ወደቓ። እታ ዓባይ ባቢሎን ድማ ናብቲ ብርቱዕ ቊጥዓኡ ጽዋእ ወይኒ ኺህባ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘከረት። |
20. | ብዘለዋ ደሴታት ሀደማ፡ ኣኽራንውን ኣይተረኽቡን። |
21. | ኣስታት ሓደ መክሊት ዝምኽባዱ ገዚፍ በረድ ካብ ሰማይ ናብ ሰብ ወረደ። እቲ መዓት ኣዝዩ ኽፉእ ስለ ዝዀነ፡ እቶም ሰብ ብሰሪ እቲ መዓት በረድ ንኣምላኽ ጸረፍዎ። |
← Revelation (16/22) → |