Revelation (13/22)  

1. ዓሰርተ ቐርንን ሾብዓተ ርእስን፡ ኣብቲ ኣቕርንቱ ኸኣ ዓሰርተ ዘውዲ፡ ኣብቶም ኣራእሱውን ስማት ጸርፊ ዘለዎ ኣራዊት ካብ ባሕሪ ኺወጽእ ከሎ ርኤኹ።
2. እቲ ዝርኤኽዎ ኣራዊት ከኣ ነብሪ እዩ ዚመስል፡ ኣእጋሩ ኸም ናይ ድቢ፡ ኣፉውን ከም ኣፍ ኣንበሳ እዩ። እቲ ገበል ድማ ሓይሉን ዝፋኑን ብዙሕ ስልጣንን ሀቦ።
3. ሓደ ኻብቶም ኣራእስውን ንሞት ከም እተወግእሕአ ዀ እሞ እታ ቚስሊ ሞቱ ሐወየት፡ ብዘላ ምድሪ ድማ ተገሪማ ደድሕሪ እቲ ኣራዊት ሰዐበት።
4. ንሳቶም ከኣ፡ ነቲ ኣራዊት ስልጣን ስለ ዝሀቦ፡ ነቲ ገበርል ሰገዱሉ፡ ነቲ ኣራዊትውን፡ ነዚ ኣራዊት እዝስ መን ይመስሎ፧ መንከ ኺዋግኦ ይኽእል፧ እናብሉ ሰገዱሉ።
5. ቃል ትዕቢትን ጸርፍን ዚዛረብ ኣፍ ተዋህቦ፡ በርብዓን ክልተን ወርሕሕ ግብሩ ኺገብርውን ምልኪ ተዋህቦ።
6. ንምጽራፍ ኣምላኽን ንስሙን ንማሕደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩውን ኪጸርፎም ኣፉ ኸፈተ።
7. ምስቶም ቅዱሳት ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ከኣ ተዋህቦ። ኣብ ልዕሊ ዂላቶም ዓሌታትን ህዝብን ቋንቋታትን ኣህዛብን ድማ ምልኪ ተዋህቦ።
8. እቶም፡ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ፡ ስሞም ኣብቲ ናይቲ እተሐርደ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፉ፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዂላቶም ኪሰግዱሉ እዮም።
9. ሰብ፡ እዝኒ ደኣ እንተ ኣልያቶስ፡ ይስማዕ።
10. ዚማርኽ እንተሎ፡ ተማሪኹ ይኸይድ፡ ብሰይፊ ዚቐትል እንተሎ፡ ንሱ ብሰይፊ ኪቕተል ይግብኦ። ናይቶም ቅዱሳት ትዕግስትን እምነትን ኣብዚ እዩ ዘሎ።
11. ሓደ ኻልእ ኣራዊትውን ካብ ምድሪ ኺወጽእ ከሎ ርኤኹ። ናይ ገንሸል ዚመስል ክልተ ቐርኒውን ኣለዎ። ከም ገበል ከኣ እዩ ዚዛረብ።
12. ኣብ ቅድሚኡ ድማ ብዘሎ ስልጣን እቲ ቐዳማይ ኣራዊት ይገብር። ንሱ ነቲ እታ ቚስሊ ሞቱ ዝሐወየትሉ ቐዳማይ ኣራዊት ከኣ ምድርን እቶም ኣብኣ ዚነብሩን ከም ዚሰግዱሉ ይገብሮም።
13. ኣብ ቅድሚ ሰብሲ ሓዊ እኳ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽሳዕ ዜውርድ፡ ዓበይቲ ትእምርቲ ይገብር።
14. ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩውን፡ ነቲ ብሰይፊ ተወቒዑ ዝቘሰለ እሞ ዝሐወየ ኣራዊት፡ ምስሊ ኺገብሩሉ እናበለ፡ በቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣራዊት ኪገብሮ እተዋህቦ ትእምርትታት፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ የስሕቶም ኣሎ።
15. ምስሊ እቲ ኣራዊት ምእንቲ ኺዛረብን፡ ነቶም ንምስሊ እቲ ኣራዊት ዘይሰገዱ ዘበሉ ዂላቶም ምእንቲ ኬቕትሎምን ከኣ ንምስሊ እቲ ኣራዊት ትንፋስ ኪህብ ተዋህቦ።
16. ንዂላቶም ከኣ፡ ነቶም ናእሽቱን ዓበይትን፡ ንሃብታማትን ድኻታትን፡ ንጭዋታትን ባሮትን ኣብ የማናይ ኢዶም ወይስ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ከም ዚቕበሉ ይገብር ኣሎ።
17. ሓደ እኳ ማሕተም ስም እቲ ኣራዊት ወይስ ቊጽሪ ስሙ እንተ ዜብሉ፡ ኪዕድግን ኪሸይጥን ከም ዘይኽእል ይገብር።
18. ጥበብ ኣብዚ እያ ዘላ። ቊጽሪ እቲ ኣራዊት ብቚጽሪ ሰብ እዩ እሞ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ይጸብጽቦ። እቲ ቚጽሩ ኸኣ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን እዩ።

  Revelation (13/22)