← Revelation (13/22) → |
1. | ዓሰርተ ቐርንን ሾብዓተ ርእስን፡ ኣብቲ ኣቕርንቱ ኸኣ ዓሰርተ ዘውዲ፡ ኣብቶም ኣራእሱውን ስማት ጸርፊ ዘለዎ ኣራዊት ካብ ባሕሪ ኺወጽእ ከሎ ርኤኹ። |
2. | እቲ ዝርኤኽዎ ኣራዊት ከኣ ነብሪ እዩ ዚመስል፡ ኣእጋሩ ኸም ናይ ድቢ፡ ኣፉውን ከም ኣፍ ኣንበሳ እዩ። እቲ ገበል ድማ ሓይሉን ዝፋኑን ብዙሕ ስልጣንን ሀቦ። |
3. | ሓደ ኻብቶም ኣራእስውን ንሞት ከም እተወግእሕአ ዀ እሞ እታ ቚስሊ ሞቱ ሐወየት፡ ብዘላ ምድሪ ድማ ተገሪማ ደድሕሪ እቲ ኣራዊት ሰዐበት። |
4. | ንሳቶም ከኣ፡ ነቲ ኣራዊት ስልጣን ስለ ዝሀቦ፡ ነቲ ገበርል ሰገዱሉ፡ ነቲ ኣራዊትውን፡ ነዚ ኣራዊት እዝስ መን ይመስሎ፧ መንከ ኺዋግኦ ይኽእል፧ እናብሉ ሰገዱሉ። |
5. | ቃል ትዕቢትን ጸርፍን ዚዛረብ ኣፍ ተዋህቦ፡ በርብዓን ክልተን ወርሕሕ ግብሩ ኺገብርውን ምልኪ ተዋህቦ። |
6. | ንምጽራፍ ኣምላኽን ንስሙን ንማሕደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩውን ኪጸርፎም ኣፉ ኸፈተ። |
7. | ምስቶም ቅዱሳት ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ከኣ ተዋህቦ። ኣብ ልዕሊ ዂላቶም ዓሌታትን ህዝብን ቋንቋታትን ኣህዛብን ድማ ምልኪ ተዋህቦ። |
8. | እቶም፡ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ፡ ስሞም ኣብቲ ናይቲ እተሐርደ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፉ፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዂላቶም ኪሰግዱሉ እዮም። |
9. | ሰብ፡ እዝኒ ደኣ እንተ ኣልያቶስ፡ ይስማዕ። |
10. | ዚማርኽ እንተሎ፡ ተማሪኹ ይኸይድ፡ ብሰይፊ ዚቐትል እንተሎ፡ ንሱ ብሰይፊ ኪቕተል ይግብኦ። ናይቶም ቅዱሳት ትዕግስትን እምነትን ኣብዚ እዩ ዘሎ። |
11. | ሓደ ኻልእ ኣራዊትውን ካብ ምድሪ ኺወጽእ ከሎ ርኤኹ። ናይ ገንሸል ዚመስል ክልተ ቐርኒውን ኣለዎ። ከም ገበል ከኣ እዩ ዚዛረብ። |
12. | ኣብ ቅድሚኡ ድማ ብዘሎ ስልጣን እቲ ቐዳማይ ኣራዊት ይገብር። ንሱ ነቲ እታ ቚስሊ ሞቱ ዝሐወየትሉ ቐዳማይ ኣራዊት ከኣ ምድርን እቶም ኣብኣ ዚነብሩን ከም ዚሰግዱሉ ይገብሮም። |
13. | ኣብ ቅድሚ ሰብሲ ሓዊ እኳ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽሳዕ ዜውርድ፡ ዓበይቲ ትእምርቲ ይገብር። |
14. | ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩውን፡ ነቲ ብሰይፊ ተወቒዑ ዝቘሰለ እሞ ዝሐወየ ኣራዊት፡ ምስሊ ኺገብሩሉ እናበለ፡ በቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣራዊት ኪገብሮ እተዋህቦ ትእምርትታት፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ የስሕቶም ኣሎ። |
15. | ምስሊ እቲ ኣራዊት ምእንቲ ኺዛረብን፡ ነቶም ንምስሊ እቲ ኣራዊት ዘይሰገዱ ዘበሉ ዂላቶም ምእንቲ ኬቕትሎምን ከኣ ንምስሊ እቲ ኣራዊት ትንፋስ ኪህብ ተዋህቦ። |
16. | ንዂላቶም ከኣ፡ ነቶም ናእሽቱን ዓበይትን፡ ንሃብታማትን ድኻታትን፡ ንጭዋታትን ባሮትን ኣብ የማናይ ኢዶም ወይስ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ከም ዚቕበሉ ይገብር ኣሎ። |
17. | ሓደ እኳ ማሕተም ስም እቲ ኣራዊት ወይስ ቊጽሪ ስሙ እንተ ዜብሉ፡ ኪዕድግን ኪሸይጥን ከም ዘይኽእል ይገብር። |
18. | ጥበብ ኣብዚ እያ ዘላ። ቊጽሪ እቲ ኣራዊት ብቚጽሪ ሰብ እዩ እሞ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ይጸብጽቦ። እቲ ቚጽሩ ኸኣ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን እዩ። |
← Revelation (13/22) → |