← Revelation (11/22) → |
1. | ዘንጊ ዚመስል ሻምብቆ ኸኣ ተዋህበኒማ ሓደ ድማ፡ ተንስእ እሞ ነታ መቕደስ ኣምላኽን መሰውእን ነቶም ኣብኣ ዚሰግዱን ስፈር፡ በለኒ። |
2. | እቲ ብወጻኢ መቕደስ ዘሎ ቐጽሪ ግና ነህዛብ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ሕደጎ ኣይትስፈሮውን፡ ነታ ቅድስቲ ኸተማ ኸኣ ኣርብዓን ክልተን ወርሒ ኺረግጽዋ እዮም። |
3. | ነቶም ክልተ ምስክረይውን፡ ወጮ ተወንዚፎም፡ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኺንበዩ ኽህቦም እየ። |
4. | እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ምድሪ ዚቘሙ ኽልተ ኣዋልዕን ክልተ ቐወምቲ ቐንዴልን እዮም። |
5. | ሓደ እኳ ኺጐድኦም እንተ ደለየ ድማ፡ ካብ ኣፎም ሓዊ ይወጽእ እሞ ንጸላእቶም ይበልዖም። ሓደ እኳ ኺጐድኦም እንተ ደለየ ኸኣ፡ ከምኡ ኪቕተል ይግብኦ እዩ። |
6. | እዚኣቶም በተን መዓልትታት ትንቢቶም ዝናም ምእንቲ ኸይዘንም ንሰማይ ኪዐጽውዎ ስልጣን ኣለዎም። ናብ ደም ኪልውጥዎ ኣብ ልዕሊ ማያትን ንምድሪ ብዝደለይዎ መጠን ብመዓት ዘበለ ኪቐዝፍዋን ስልጣን ኣለዎም። |
7. | ምስክሮም ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡ እቲ ኻብ መዓሙቚ ዚወጽእ ኣራዊት ምሳቶም ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ኪቐትሎምን እዩ። |
8. | ሬሳታቶም ከኣ ኣብ ኣደባባይ እታ ጐይታኦም እተሰቕለላ፡ ንመንፈሳዊ ሓሳብ ከኣ ሰዶምን ግብጽን እትብሀል ዓባይ ከተማ ኺተርፍ እዩ። |
9. | ሰብ ድማ ካብ ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ነቲ ሬሳታቶም ሰለስተ መዓልቲን ፈረቓን ይርእዩ፡ ነቲ ሬሳታቶምሲ ኣብ መቓብር ኪንበር ኣይፈቕዱን እዮም። |
10. | እዞም ክልተ ነብያት እዚኦም ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ የሰቅቕዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ብኣታቶም ይሕጐሱ ባህውን ይብሎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ከኣ ውህበት ኪሰዱ እዮም። |
11. | ድሕሪ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ድማ መንፈስ ህይወት ካብ ኣምላኽ ኣተዎም፡ በእጋሮምውን ቈሙ፡ ነቶም ዝጠመትዎም ከኣ ብርቱዕ ፍርሃት ወደቖም እሞ፡ |
12. | ነጀው ደይቡ፡ ዚብሎም ዓብዪ ድምጺ ኻብ ሰማይ ሰምዑ። ብደበና ድማ ናብ ሰማይ ደየቡ እሞ እቶም ጸላእቶም ጠመትዎም። |
13. | በታ ሰዓት እቲኣ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸነ፡ ዓስራይ ኢድ እታ ኸተማውን ወደቐ። በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸኣ ሾብዓተ ሽሕ ሰባት ተቐትሉ፡ ነቶም ዝተረፉ ድማ ፍርሃት ሐዞም ንኣምላኽ ሰማይውን ክብሪ ሀብዎ። |
14. | እቲ ኻልኣይ ወዮ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ እቲ ሳልሳይ ወዮ ቐልጢፉ ይመጽእ ኣሎ። |
15. | እቲ ሳብዓይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ፡ መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡእን ኰይና እያ እሞ ንዘለኣአልመ ኣለም ኪነግስ እዩ፡ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጽታት ኰነ። |
16. | እቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ዝፋናቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ከኣ፡ ዎ ዘሎኻን ዝነበርካን፡ ኲሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነቲ ዓብዪ ስልጣንካ ስለ ዝወሰድካዮን ስለ ዝነገስካን፡ ነመስግነካ ኣሎና፡ እናበሉ ብግምባሮም ተደፊኦም ንኣምላኽ ሰገዱ። |
17. | እቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ዝፋናቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ከኣ፡ ዎ ዘሎኻን ዝነበርካን፡ ኲሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነቲ ዓብዪ ስልጣንካ ስለ ዝወሰድካዮን ስለ ዝነገስካን፡ ነመስግነካ ኣሎና፡ እናበሉ ብግምባሮም ተደፊኦም ንኣምላኽ ሰገዱ። |
18. | ኣህዛብ ተቘጢዖም፡ ቊጥዓኻውን መጺኡ፡ እቲ ንምዉታት እትፈርደሉ፡ ንባሮትካ፡ ነቶም ነብያትን ቅዱሳንን ስምካ ንዚፈርሁ ናእሽቱን ዓበይትን፡ ዓስቦም እትህበሉ፡ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪውን እተጥፍኣሉ ዘመን መጺኡ፡ በሎ። |
19. | እታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ኣምላኽ ከኣ ተኸፍተት፡ ኣብታ መቕደሱውን ታቦት ኪዳኑ ተራእየ፡ በርቅታትን ድምጽታትን ነጐዳታትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ዓብዪ በረድን ድማ ዀነ። |
← Revelation (11/22) → |