Psalms (99/150)  

1. እግዚኣብሄር ነጊሱ፡ ኣህዛብ ይርዐዱ፡ ምድሪ ተንቀጥቅጥ።
2. እግዚኣብሄር ኣብ ጽዮን ዓብዪ እዩ፡ ኣብ ኲሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ።
3. ቅዱስ እዩ እሞ፡ ነቲ ዓብይን ዜፍርህን ስምካ የመስግንዎ፡
4. ሓይሊ ንጉስ ድማ ፍርዲ ይፈቱ እዩ፡ ንስኻ ቕንዕና ኣጽናዕካ። ፍርድን ጽድቅን ኣብ ቤት ያእቆብ ገበርካ።
5. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል ኣብልዎ፡ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ኣብ ድኳ እግሩ ስገዱ።
6. ሙሴን ኣሮንን ኣብ ማእከል ካህናቱ፡ ሳሙኤል ከኣ ኣብ ማእከል እቶም ስሙ ዚጽውዑ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፡ ንሱውን መለሰሎም።
7. ብዓንዲ ደበና ተዛረቦም፡ ንምስክራቱን ነቲ ዝሀቦም ሕግን ሐለዉ።
8. እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንስኻ መለስካሎም፡ ይቕረ እትብል ኣምላኽ ኰንካዮም፡ ግናኸ ስለ ኽፉእ ግብሮም ሕነ ፈዴኻዮም።
9. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል ኣብልዎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ቅዱስ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅዱስ ከረኑውን ስገዱ።

  Psalms (99/150)