| ← Psalms (99/150) → |
| 1. | እግዚኣብሄር ነጊሱ፡ ኣህዛብ ይርዐዱ፡ ምድሪ ተንቀጥቅጥ። |
| 2. | እግዚኣብሄር ኣብ ጽዮን ዓብዪ እዩ፡ ኣብ ኲሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ። |
| 3. | ቅዱስ እዩ እሞ፡ ነቲ ዓብይን ዜፍርህን ስምካ የመስግንዎ፡ |
| 4. | ሓይሊ ንጉስ ድማ ፍርዲ ይፈቱ እዩ፡ ንስኻ ቕንዕና ኣጽናዕካ። ፍርድን ጽድቅን ኣብ ቤት ያእቆብ ገበርካ። |
| 5. | ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል ኣብልዎ፡ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ኣብ ድኳ እግሩ ስገዱ። |
| 6. | ሙሴን ኣሮንን ኣብ ማእከል ካህናቱ፡ ሳሙኤል ከኣ ኣብ ማእከል እቶም ስሙ ዚጽውዑ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፡ ንሱውን መለሰሎም። |
| 7. | ብዓንዲ ደበና ተዛረቦም፡ ንምስክራቱን ነቲ ዝሀቦም ሕግን ሐለዉ። |
| 8. | እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንስኻ መለስካሎም፡ ይቕረ እትብል ኣምላኽ ኰንካዮም፡ ግናኸ ስለ ኽፉእ ግብሮም ሕነ ፈዴኻዮም። |
| 9. | ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል ኣብልዎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ቅዱስ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅዱስ ከረኑውን ስገዱ። |
| ← Psalms (99/150) → |