Psalms (98/150)  

1.  እግዚኣብሄር ተኣምራት ገይሩ፡ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ።
2.  እግዚኣብሄር ምድሓኑ ኣፍለጠ፡ ጽድቁ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ገለጸ።
3.  ሳህሉን እምነቱን ንቤት እስራኤል ዘከረ፡ ኲሉ ወሰናት ምድሪ ንምድሓን ኣምላኽና ረኣየ።
4.  ኣቲ ምድሪ ዂልኺ፡ ንእግዚኣብሄር እልል በሊ። ብሓጐስ ጨድሩን ኣመስግኑን።
5.  ንእግዚኣብሄር ብመሰንቆ፡ እወ፡ ብመሰንቆን ብደሃይ በገናን ኣመስግንዎ።
6.  ኣብ ቅድሚ ንጉስ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብእምብልታን ቃና መለኸትን እልል በሉ።
7.  ባሕርን ምልኣቱን፡ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን የድህዩ።
8.  ንምድሪ ኺፈርዱ ይመጽእ፡ ንሱ ንዓለም ብጽድቂ፡ ነህዛብውን ብቕንዕና ኺፈርዶም እዩ እሞ፡ ወሓይዝ ኣእዳዎም የጣቕዑ፡ ኣኽራን ሐቢሮም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብሓጐስ ይዘምሩ።
9.  ንምድሪ ኺፈርዱ ይመጽእ፡ ንሱ ንዓለም ብጽድቂ፡ ነህዛብውን ብቕንዕና ኺፈርዶም እዩ እሞ፡ ወሓይዝ ኣእዳዎም የጣቕዑ፡ ኣኽራን ሐቢሮም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብሓጐስ ይዘምሩ።

  Psalms (98/150)