Psalms (97/150)  

1. እግዚኣብሄር ነጊሱ፡ ምድሪ ትተሐጐስ፡
2. ደበናን ጸልማትን ይኸብዎ፡ ጽድቅን ፍርድን መሰረት ዝፋኑ እዩ።
3. ሓዊ ቐቅድሚእሪ ይኸይድ፡ ንጸላእቱ ኣብ ዙርያኡ የንድዶም።
4. መባርቑ ንዓለም ኣብርሄ፡ ምድሪ ርእያቶ ኣንቀጥቀጠት።
5. ኣኽራን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ዂሉ ምድሪ ኸም ስምዒ መኸኹ።
6. ሰማያት ንጽድቁ ኣውረዩ፡ ኲሎም ኣህዛብ ድማ ክብሩ ረኣዩ።
7. ንምስልታት ዚሰግዱን ብጣኦታት ዚምክሑን ኲሎም ይሕፈሩ። ኲሉኹም ኣማልኽቲ፡ ኣብ ቅድሚኡ ፍግም በሉጅ።
8. ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ምድሪ ልዑል ኢኻ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣማልኽቲ ኣዚኻ ልዑል ኢኻ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ጽዮን ሰሚዓ ተሐጐሰት፡ ኣዋልድ ይሁዳውን ብዛዕባ ፍርድኻ እልል በላ።
9. ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ምድሪ ልዑል ኢኻ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣማልኽቲ ኣዚኻ ልዑል ኢኻ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ጽዮን ሰሚዓ ተሐጐሰት፡ ኣዋልድ ይሁዳውን ብዛዕባ ፍርድኻ እልል በላ።
10. ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተፍቅርዎ፡ እከይ ጽልኡ፡ ነፍሲ ቕዱሳን ይሕሉ፡ ካብ ኢድ ረሲኣን የናግፎም።
11. ብርሃን ንጻድቃን፡ ደስታ ኸኣ ንቕኑዓት ልቢ ተዘርኤ።
12. ኣቱም ጻድቃን፡ ብእግዚኣብሄር ተሐጐሱ፡ ንቕዱስ ስሙውን ኣመስግንዎ።

  Psalms (97/150)