| ← Psalms (96/150) → |
| 1. | ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ፡ |
| 2. | ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፡ ንስሙ ባርኹ፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ ኣበስሩ። |
| 3. | ክብሩ ኣብ ማእከል ኣህዛብ፡ ተኣምራቱ ኣብ ማእከል ኲሎም ህዝብታት ኣዘንትዉ። |
| 4. | እግዚኣብሄር ዓብዪ፡ ምስጋናኡ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ እሞ፡ ካብ ኲሎም ኣማልኽቲ ዜፍርህ እዩ። |
| 5. | ኲሎም ኣማልኽቲ ኣህዛብ ከንቱ እዮም፡ እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረ። |
| 6. | ግርማን ክብረትን ኣብ ቅድሚኡ፡ ሓይልን ጽባቕን ኣብ መቕደሱ እዩ፡ |
| 7. | ኣቱም ዓሌታት ኣህዛብ፡ንእግዚኣብሄር ሀቡ፡ ክብርን ሓይልን ንእግዚኣብሄር ሀብዎ። |
| 8. | ንእግዚኣብሄር ክብሪ ስሙ ሀብ፡ መስዋእቲ ሒዝኩም ናብ ኣጸዱ እተዉ። |
| 9. | ንእግዚኣብሄር ብቕዱስ ክብረት ስገዱ፡ ኲልኺ ምድሪ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኣንቀጥቅጢ። |
| 10. | ኣብ ማእከል ኣህዛብ፡ እግዚኣብሄር ነጊሱ፡ ዓለምውን ከይትናቓነቕ ጸኒዓ አላ፡ ነህዛብ ብቕንዕና ኺፈርዶም እዩ፡ ኢልኩም ንገሩ። |
| 11. | ሰማያት ይተሐጎሱ፡ ምድሪውን ባህ ይበላ፡ ባሕርን ምልኣቱን ይናወጽ። |
| 12. | ይመጽእ፡ ንምድሪ ኺፈርድ ይመጽእ፡ ንዓለም ብጽድቂ፡ ነህዛብ ብሓቂ ኺፈርድ እዩ እሞ፡ መሮርን ኣብኣ ዘሎ ዂሉን ባህ ይበሎም፡ ሽዑ ዂላቶም ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እልል ኪብሉ እዮም። |
| 13. | ይመጽእ፡ ንምድሪ ኺፈርድ ይመጽእ፡ ንዓለም ብጽድቂ፡ ነህዛብ ብሓቂ ኺፈርድ እዩ እሞ፡ መሮርን ኣብኣ ዘሎ ዂሉን ባህ ይበሎም፡ ሽዑ ዂላቶም ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እልል ኪብሉ እዮም። |
| ← Psalms (96/150) → |