Psalms (96/150)  

1.  ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ፡
2.  ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፡ ንስሙ ባርኹ፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ ኣበስሩ።
3.  ክብሩ ኣብ ማእከል ኣህዛብ፡ ተኣምራቱ ኣብ ማእከል ኲሎም ህዝብታት ኣዘንትዉ።
4.  እግዚኣብሄር ዓብዪ፡ ምስጋናኡ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ እሞ፡ ካብ ኲሎም ኣማልኽቲ ዜፍርህ እዩ።
5.  ኲሎም ኣማልኽቲ ኣህዛብ ከንቱ እዮም፡ እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረ።
6.  ግርማን ክብረትን ኣብ ቅድሚኡ፡ ሓይልን ጽባቕን ኣብ መቕደሱ እዩ፡
7.  ኣቱም ዓሌታት ኣህዛብ፡ንእግዚኣብሄር ሀቡ፡ ክብርን ሓይልን ንእግዚኣብሄር ሀብዎ።
8.  ንእግዚኣብሄር ክብሪ ስሙ ሀብ፡ መስዋእቲ ሒዝኩም ናብ ኣጸዱ እተዉ።
9.  ንእግዚኣብሄር ብቕዱስ ክብረት ስገዱ፡ ኲልኺ ምድሪ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኣንቀጥቅጢ።
10.  ኣብ ማእከል ኣህዛብ፡ እግዚኣብሄር ነጊሱ፡ ዓለምውን ከይትናቓነቕ ጸኒዓ አላ፡ ነህዛብ ብቕንዕና ኺፈርዶም እዩ፡ ኢልኩም ንገሩ።
11.  ሰማያት ይተሐጎሱ፡ ምድሪውን ባህ ይበላ፡ ባሕርን ምልኣቱን ይናወጽ።
12.  ይመጽእ፡ ንምድሪ ኺፈርድ ይመጽእ፡ ንዓለም ብጽድቂ፡ ነህዛብ ብሓቂ ኺፈርድ እዩ እሞ፡ መሮርን ኣብኣ ዘሎ ዂሉን ባህ ይበሎም፡ ሽዑ ዂላቶም ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እልል ኪብሉ እዮም።
13.  ይመጽእ፡ ንምድሪ ኺፈርድ ይመጽእ፡ ንዓለም ብጽድቂ፡ ነህዛብ ብሓቂ ኺፈርድ እዩ እሞ፡ መሮርን ኣብኣ ዘሎ ዂሉን ባህ ይበሎም፡ ሽዑ ዂላቶም ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እልል ኪብሉ እዮም።

  Psalms (96/150)