| ← Psalms (95/150) → |
| 1. | ንዑ፡ ንእግዚኣብሄር ብሓጎስ ንዘምር፡ |
| 2. | ብምስጋና ኣብ ቅድማኡ ንብጻሕ፡ ብመዝሙር እልል ንበለሉ። |
| 3. | እግዚኣብሄር ዓብዪ ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣማልኽቲ ድማ ዓብዪ ንጉስ እዩ እሞ፡ |
| 4. | መዓሙቚ ምድሪ ኣብ ኢዱ፡ ምብራኽ ኣኽራን ከኣ ናቱ እዩ። |
| 5. | ባሕሪ ናቱ እዩ፡ ንሱ ፈጠሮ፡ ንንቑጽ ምድሪውን ኣእዳው ገበራኦ። |
| 6. | ንዑ፡ ፍግም ኢልና ንስገድ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ፈጣሪና፡ ንንበከኽ። |
| 7. | ንሱ ኣምላኽና እዩ፡ ንሕና ድማ ህዝቢ መጓሴኡ፡ ኢዱ እትኽብክበን ኣባጊዑ ኢና እሞ፡ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ |
| 8. | ከም ኣብ መሪባ፡ ከምቲ ብመዓልቲ ማሳ ኣብ በረኻ፡ ኣቦታትኩም ኪፍትኑኒ፡ ኪዕዘቡኒ ኸለዉ፡ ግብረይ ዝረአዩ ዄንኩም፡ ልብኹም ኣይተትርሩ። |
| 9. | ከም ኣብ መሪባ፡ ከምቲ ብመዓልቲ ማሳ ኣብ በረኻ፡ ኣቦታትኩም ኪፍትኑኒ፡ ኪዕዘቡኒ ኸለዉ፡ ግብረይ ዝረአዩ ዄንኩም፡ ልብኹም ኣይተትርሩ። |
| 10. | በቲ ወለዶ እቲ ኣርብዓ ዓመት ተመነወኒ፡ በገደይ ዘይፈለጡ፡ ብልቦም እተጋገዩ ህዝቢ እዮም፡ በልኩ። |
| 11. | ስለዚ፡ ኣብ ዕረፈተይ ኣይኪአትዉን እዮም፡ ኢለ ብዂራይ መሐልኩ። |
| ← Psalms (95/150) → |