Psalms (95/150)  

1.  ንዑ፡ ንእግዚኣብሄር ብሓጎስ ንዘምር፡
2.  ብምስጋና ኣብ ቅድማኡ ንብጻሕ፡ ብመዝሙር እልል ንበለሉ።
3.  እግዚኣብሄር ዓብዪ ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣማልኽቲ ድማ ዓብዪ ንጉስ እዩ እሞ፡
4.  መዓሙቚ ምድሪ ኣብ ኢዱ፡ ምብራኽ ኣኽራን ከኣ ናቱ እዩ።
5.  ባሕሪ ናቱ እዩ፡ ንሱ ፈጠሮ፡ ንንቑጽ ምድሪውን ኣእዳው ገበራኦ።
6.  ንዑ፡ ፍግም ኢልና ንስገድ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ፈጣሪና፡ ንንበከኽ።
7.  ንሱ ኣምላኽና እዩ፡ ንሕና ድማ ህዝቢ መጓሴኡ፡ ኢዱ እትኽብክበን ኣባጊዑ ኢና እሞ፡ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡
8.  ከም ኣብ መሪባ፡ ከምቲ ብመዓልቲ ማሳ ኣብ በረኻ፡ ኣቦታትኩም ኪፍትኑኒ፡ ኪዕዘቡኒ ኸለዉ፡ ግብረይ ዝረአዩ ዄንኩም፡ ልብኹም ኣይተትርሩ።
9.  ከም ኣብ መሪባ፡ ከምቲ ብመዓልቲ ማሳ ኣብ በረኻ፡ ኣቦታትኩም ኪፍትኑኒ፡ ኪዕዘቡኒ ኸለዉ፡ ግብረይ ዝረአዩ ዄንኩም፡ ልብኹም ኣይተትርሩ።
10.  በቲ ወለዶ እቲ ኣርብዓ ዓመት ተመነወኒ፡ በገደይ ዘይፈለጡ፡ ብልቦም እተጋገዩ ህዝቢ እዮም፡ በልኩ።
11.  ስለዚ፡ ኣብ ዕረፈተይ ኣይኪአትዉን እዮም፡ ኢለ ብዂራይ መሐልኩ።

  Psalms (95/150)