| ← Psalms (94/150) → |
| 1. | ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሕነ፡ |
| 2. | ኣታ ፈራድ ምድሪ፡ ተንስእ፡ ንዕቡያት ከም ግብሮም ፍደዮም። |
| 3. | ክሳዕ መኣዝ እቶም ረሲኣን፡ ጐይታየ፡ ክሳዕ መኣዝ ረሲኣን ኪዕወቱ እዮም? |
| 4. | ዘረባ ድርቅና የፈልፍሉ፡ ኲሎም ገበርቲ እከይ ይጀሀሩ ኣለዉ። |
| 5. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ንህዝብኻ ይቕጥቅጥዎ፡ ንርስትኻውን የጨንቕዎ ኣለዉ። |
| 6. | ንመበለትን ስደተኛን ይቐትሉ፡ ንዘኽታማት ከኣ ይሐርዱ እዮም እሞ፡ |
| 7. | እግዚኣብሄር ኣይርእዮን፡ ኣምላኽ ያእቆብ ኣየስተብህሎን እዩ፡ ይብሉ ኣለዉ። |
| 8. | ኣቱም ዳንዴታት ህዝቢ፡ ኣስተውዕሉ፡ ኣቱም ዓያሱ፡ መኣዝ ኢኹም እትልብሙ? |
| 9. | እዝኒ ዝተኸለስ ኣይሰምዕንዶ? ዓይኒ ዝፈጠረስ ኣይርእንዶ እዩ? |
| 10. | ነህዛብ ዚቐጽዕ፡ ፍልጠት ንሰብ ዚምህር ኣይግስጽንዶ እዩ? |
| 11. | እግዚኣብሄር ንሓሳባት ሰብ ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ። |
| 12. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ጒድጓድ ንረሲእ ክሳዕ ዚኲዐት፡ እቲ ኻብ መዓልቲ መከራ ኸተህድኦ ኢልካ፡ እትቐጽዖን ብሕግኻ እትምህሮን ሰብ ብጹእ እዩ። |
| 13. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ጒድጓድ ንረሲእ ክሳዕ ዚኲዐት፡ እቲ ኻብ መዓልቲ መከራ ኸተህድኦ ኢልካ፡ እትቐጽዖን ብሕግኻ እትምህሮን ሰብ ብጹእ እዩ። |
| 14. | እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይኪድርብዮን፡ ንርስቱ ኸኣ ኣይኪሐድጎን እዩ። |
| 15. | ፍርዲ ኣብ ጽድቂ ኺምለስ እዩ እሞ፡ ኲሎም ቅኑዓት ልቢ ኺስዕብዎ እዮም። |
| 16. | ኣብቶም ገበርቲ ኽፉእ መን ይትንስኣለይ? ኣብቶም ዓመጸኛታትከ መን ይቘመለይ? |
| 17. | እግዚኣብሄር ረዲኤተይ ነይሩ እንተ ዘይከውንሲ፡ ነፍሰይ ኣብ ስቕታ ንምሕዳር ምቐረበት ነይራ። |
| 18. | ጐይታየ፡ እግረይ ኣንደልሀጸ ምስ በልኩ፡ ጸጋኻ ደገፈኒ። |
| 19. | ጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሔ፡ ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ። |
| 20. | ከም ሕጊ ኢና። እናበሉ ዓመጽ ዚገብሩሉ መንበር ጥፍኣትዶ ምሳኻ ሕብረት ኣለዎ እዩ? |
| 21. | ንነፍሲ ጻድቕ ሐቢሮም ይወድቅዋ፡ ንንጹህ ደም ድማ ይዂንንዎ ኣለዉ። |
| 22. | እግዚኣብሄር ግና በሪኽ መጸግዕየይ፡ ኣምላኸይ ድማ ከውሒ መዕቈብየይ እዩ። |
| 23. | ዓገቦም ኣብ ርእሶም ይመልስ፡ ብእከዮም ከኣ ኬጥፍኦም እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኼጥፍኦም እዩ። |
| ← Psalms (94/150) → |