Psalms (93/150)  

1. እግዚኣብሄር ነጊሱ፡ ግርማ ለቢሱ፡ ዓለም ከይትናወጽሲ፡ ኣጽኒዕዋ ኣሎ።
2. ዝፋንካ ኻብ ጥንቲ ጽኑዕ እዩ፡ ንስኻ ኻብ ዘለኣለም ኢኻ።
3. ጐይታየ፡ ወሓይዝ ኣልዐሉ፡ ወሓይዝ ድምጾም ኣልዐሉ፡ ወሓይዝ ህማሞም ኣልዐሉ።
4. ካብ ድምጺ ብዙሕ ማያት፡ ካብ ስልጡን ማዕበላት ባሕሪ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ላዕሊ ይስልጥን።
5. ምስክራትካ ኣዝዩ እሙን እዩ፡ ጐይታየ፡ ንቤትካስ ንዘለኣለም ቅድስና ይግባእ

  Psalms (93/150)