Psalms (92/150)  

1. ኣታ ልዑል፡ ንግሆ ሳህልኻ፡ ለይቲውን እምነትካ ምውራይ፡ ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገናን ብጭራን ብምውቃዕ መሰንቆን ንእግዚኣብሄር ምምስጋን፡ ንስምካ ምዝማር ሰናይ እዩ።
2. ኣታ ልዑል፡ ንግሆ ሳህልኻ፡ ለይቲውን እምነትካ ምውራይ፡ ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገናን ብጭራን ብምውቃዕ መሰንቆን ንእግዚኣብሄር ምምስጋን፡ ንስምካ ምዝማር ሰናይ እዩ።
3. ኣታ ልዑል፡ ንግሆ ሳህልኻ፡ ለይቲውን እምነትካ ምውራይ፡ ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገናን ብጭራን ብምውቃዕ መሰንቆን ንእግዚኣብሄር ምምስጋን፡ ንስምካ ምዝማር ሰናይ እዩ።
4. ዎ እግዚኣብሄር፡ ብግብርታትካ ኣሐጒስካኒ ኢኻ እሞ፡ ብዛዕባ ተግባር ኣእዳውካ እልል ክብል እየ።
5. ዎ ጐይታይ፡ ግብርኻ ኸመይ ዓብዪ እዩ፡ ሓሳብካ ኣዝዩ ዓሚቚ እዩ።
6. ዳንደ ኣይፈልጦን፡ ዓሻውን ኣየስተውዕሎን እዩ።
7. ረሲኣን ከም ሳዕሪ እንተ ለምለሙ፡ ኲሎም ገበርቲ እከይውን እንተ ዐምበቡ፡ ንሓዋሩ ምእንቲ ኺጠፍኡ እዮም።
8. ጐይታየ፡ ንስኻ ግና ንዘለኣለም ልዑል ኢኻ።
9. ጐይታየ፡ እንሆ ጸላእትኻ፡ እነዉ ጸላእትኻ ይጠፍኡ ኣለዉ እሞ፡ ኲሎም ገበርቲ እከይ ኪብተኑ እዮም።
10. ግናኸ ንቐርነይ ከም ናይ ጎባይ ኣልዐልካዮ፡ ብሓድሽ ዘይቲ ተቐባእኩ።
11. ዓይነይ ድማ ነቶም ተጻረርተይ ባህ ኢልዋ ትምልከቶም፡ ኣእዛነትይውን ብናይቶም ዚትንስኡኒ ኽፉኣት ተሐጒሰን ይሰምዓ።
12. ጻድቕ ከም ስየ ይልምልም፡ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዐቢ።
13. እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ ኣብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ።
14. እግዚኣብሄር ጻድቕ ምዃኑ ምእንቲ ኼውርዩስ፡ ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ፡ ይረውዩን ይልምዑን። እግዚኣብሄር ከውሔይ እዩ፡ ኣብኡውን ዓመጻ የልቦን።
15. እግዚኣብሄር ጻድቕ ምዃኑ ምእንቲ ኼውርዩስ፡ ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ፡ ይረውዩን ይልምዑን። እግዚኣብሄር ከውሔይ እዩ፡ ኣብኡውን ዓመጻ የልቦን።

  Psalms (92/150)