Psalms (91/150)  

1. ኣብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፡
2. ንእግዚኣብሄር፡ ጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፡ እብል ኣሎኹ።
3. ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፡ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፡
4. ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፡ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፡ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ።
5. ካብ ስምባድ ለይቲ፡ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፡
6. ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራ፡ ብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ።
7. ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፡ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፡ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ።
8. በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶ፡ ረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ።
9. ጐይታይ፡ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፡ ኢልካ ኢኻ እሞ፡ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮ፡
10. እከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካን፡ ስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ።
11. ኣብ ኲሉ መገድኻ ኺሕልዉኻ፡ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፡
12. እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም።
13. ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፡ ሽደን ኣንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ።
14. ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒ፡ ከናግፎ፡ ንስመይ ስለ ዝፈለጦ፡ ከልዕሎ እየ።
15. ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉ፡ ብጸበባ ምስኡ ክኸውን፡ ከናግፎን ከኽብሮን እየ።
16. ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ፡ ምድሓነይውን ከርእዮ እየ።

  Psalms (91/150)