Psalms (90/150)  

1. ጐይታየ፡ ካብ ወለዶ ንወለዶ መዕቈቢ ዀንካና።
2. ኣኽራን ከይተወልደ፡ ምድርን ዓለምን ከይፈጠርካ፡ ኤረ ንስኻስ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ኣምላኽ ኢኻ።
3. ኣቱም ደቂ ሰብ፡ ተመለሱ፡ እናበልካ፡ ንሰብ ናብ መሬት ትመልሶ ኣሎኻ።
4. ሽሕ ዓመት ኣብ ቅድሜኻ ኸም እዛ ትማሊ ዝሐለፈት መዓልትን ከም ምንቃሕ ለይትን እየን እሞ፡
5. ከም ከውሒዝ ትገፎም፡ ከም ትኽስታ እዮም፡ ከምቲ ብጊሓት ዚልማልም ሳዕረ፡
6. ንግሆ ይዕምብብ ይልምልም ድማ፡ ኣጋ ምሸት ይዕጸድ እሞ ይነቅጽ።
7. ብዂራኻ ጠፊእና ኢና እሞ፡ ብቚጥዓኻውን ሰምቢድና።
8. ንኣበሳና ኣብ ቅድሜኻ፡ ንሕብእ ሓጢኣትናውን ኣብ ብርሃን ገጽካ ተቚሞ ኣሎኻ።
9. ብዘሎ መዓልትታትና ብቚጥዓኻ ይሐልፍ፡ ዓመታትና ኸም እህህታ ነሕልፈን ኣሎና እሞ፡
10. መዓልትታት ዓመታትና ሰብዓ ዓመት፡ እንተ በዝሔ ኸኣ ሰማንያ ዓመት እዩ፡ ቀልጢፉ ይሐልፍ፡ ነፊርናውን ንኸይድ ኢና እሞ፡ ክብረቱ ጻዕርን መከራን እዩ።
11. ከም ዚግባእ ምእንቲ ኺፈርሃካ ኢሉስ፡ ንሓይሊ ኲራኻን ንቚጥዓኻን ዚሐስብከ መን እዩ?
12. ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሀረና።
13. ጐይታይ፡ ተመለስ፡ ክሳዕ መኣዝ? ንባሮትካ ምሐሮም።
14. ኲለን መዓልትታትና ኽንሕጐስን ባህ ኪብለናንሲ፡ ንግሆ ጸጋኻ ኣጽግበና።
15. ብመጠን እተን ዘጨነቕካና መዓልትታትን፡ ክፉእ ዝርኤናለን ዓመታትን ኣሐጒሰና።
16. ግብርታትካ ንባሮትካ፡ ክብርኻውን ንውሉዶም ግለጽ።
17. ጸጋ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ይኹን፡ ተግባር ኣእዳውና ኣስልጠልና፡ እወ፡ ንተግባር ኣእዳውና ንስኻ ኣስልጦ።

  Psalms (90/150)