Psalms (9/150)  

1. ብምሉእ ልበይ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ፣ ኵሉ ተኣምራትካ ኽነግር እየ።
2. ብኣኻ ኽሕጐስን ክፍሳህን፣ ዎ ልዑል፣ ንስምካ ኽዝምር እየ።
3. ጸላእተይ ንድሕሪት ምስ ተመልሱ፣ ወደቑ፣ ካብ ቅድሚ ገጽካውን ጠፍኡ።
4. መሰለይን ነገረይን ወዳእካ እሞ፣ ጻድቕ ፈራዲ ዄንካ ኣብ ዝፋን ተቐመጥካ።
5. ነህዛብ ገናሕካዮም፣ ንረሲኣን ኣጥፋእካዮም፣ ስሞም ከኣ ንዘለኣለም ደምሰስካዮ።
6. ጸላእቲ ንሓዋሩ ተጠሪሶም፣ ከተማታትሲ፣ መዘከርታኤን እኳ ኽሳዕ ዚጠፍእ፣ ዖንየን።
7. እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ነጊሱ ይነብር፣
8. ንሱ ንዓለም ብጽድቂ ኺፈርዳ፣ ንህዝብታትውን ብቕንዕና ኺዳንዮም እዩ።
9. እግዚኣብሄርሲ ንጥቑዓት እምባ፣ ብጊዜ ጸበባ እምባ እዩ።
10. ዎ እግዚኣብሄር፣ ንዚደልዩኻ ኣይትሐድጐምን ኢኻ እሞ፣ እቶም ንስምካ ዚፈልጡ ኣባኻ ኺምዕቈቡ እዮም።
11. እቲ ሕነ ደም ዚፈዲ ዘኪርዎም፣ ንኣውያት ጥቑዓት ከኣ ኣይርስዖን እዩ እሞ፣ ነቲ ኣብ ጽዮን ዚነብር እግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ግብርታቱ ንገሩ።
12. እቲ ሕነ ደም ዚፈዲ ዘኪርዎም፣ ንኣውያት ጥቑዓት ከኣ ኣይርስዖን እዩ እሞ፣ ነቲ ኣብ ጽዮን ዚነብር እግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ግብርታቱ ንገሩ።
13. ኣብ ደጌታት ጓል ጽዮን ብምድሓንካ ኽፍሳህ፣ ምስጋናኻ ምእንቲ ኽነግርሲ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ነቲ ብጸላእተይ ዝረኽቦ መከራ ርአዮ እሞ፣ ኣታ ኻብ ደጌታት ሞት እትስሕበኒ፣ ደንግጸለይ።
14. ኣብ ደጌታት ጓል ጽዮን ብምድሓንካ ኽፍሳህ፣ ምስጋናኻ ምእንቲ ኽነግርሲ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ነቲ ብጸላእተይ ዝረኽቦ መከራ ርአዮ እሞ፣ ኣታ ኻብ ደጌታት ሞት እትስሕበኒ፣ ደንግጸለይ።
15. ኣህዛብ ናብታ ዝዀዐትዋ ጕድጓድ ጸደፉ፣ በቲ ዝሐብእዎ መፈንጠራ ኸኣ እግሮም ተፈንጠረ።
16. እግዚኣብሄር ርእሱ ኣፍለጠ፣ ጽድቂ ገበረ፣ ረሲእ ብግብሪ ኢዱ ተሐንኰለ። ሂጋዮን። ሴላ።
17. ረሲኣን፣ ንኣምላኽ ዚርስዕዎ ዅላቶም ኣህዛብ፣ ናብ ሲኦል እዮም ዚምለሱ።
18. ድኻስ ንሓዋሩ ኣይኪርሳዕን እዩ እሞ፣ ተስፋ መስኪን ንዘለኣለም ኣይኪጠፍእን እዩ።
19. ዎ እግዚኣብሄር፣ ተስእ፣ ሰብሲ ኣይትበርትዕ። ኣህዛብ ኣብ ቅድሜኻ ይፈረዱ።
20. ዎ እግዚኣብሄር፣ ፍርሃት ኣውድቐሎም፣ ኣህዛብሲ ሰብ ምዃኖም ደኣ ይፍለጡ። ሴላ።

  Psalms (9/150)