Psalms (89/150)  

1. ግብርታት ጸጋ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ክዝምር፡ ብኣፈይ ንውሉድ ወለዶ እምነትካ ኸፍልጥ እየ።
2. ጸጋ ንዘለኣለም ኪህነጽ፡ እምነትካ ኣብ ሰማያት ከተጽንዕ ኢኻ፡ በልኩ እሞ፡
3. ምስ ሕሩየይ ኪዳን ኣቶኹ፡ ንዳዊት ባርያይ መሐልኩሉ፡
4. ዘርእኻ ንዘለኣለም ከጽንዕ፡ ዝፋንካውን ንውሉድ ወለዶ ኽሀንጽ እየ።ሴላ።
5. ጐይታየ፡ ሰማያት ከኣ ንተኣምራትካ፡ ንእምነትካ ኣብ ማሕበር ቅዱሳን ኪውድሱ እዮም።
6. ኣብ ጠፈር ንእግዚኣብሄር ዚመዓራረዩስ መን እዩ? ካብ ውሉድ ስልጡናትከ መን እዩ ንእግዚኣብሄር ዚመስሎ?
7. ኣብ ምኽሪ ቅዱሳን ኣዝዩ ዜፍርህ፡ ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዂላቶም ዜሸብር ኣምላኽ እዩ።
8. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ከማኻ ስልጡን መን እዩ? ዎ ጐይታይ፡ እምነትካውን ኣብ ዙርያኻ ኣሎ።
9. ንትዕቢት ባሕሪ ትገዝኦ፡ ማዕበላቱ እንተ ተንስኤ፡ ንስኻ ተህድኦ።
10. ከም እተወግኤ ጌርካ፡ ንረሃብ ቀጥቂጥካዮ፡ ብሓይሊ ቕልጽምካ ንጸላእትኻ በቲንካዮም ኢኻ።
11. ሰማያት ናትካ እዩ፡ ምድሪውን ናትካ እያ፡ ንዓለም ምስ ምልኣታ ሰሪትካያ።
12. ንሰሜንን ደብቡን ንስኻ ፈጠርካየ፡ ታቦርን ሄርሞንን ብስምካ እልል ይብላ።
13. ሓያል ቅልጽም ኣሎካ፡ ኢድካ ብርትዕቲ፡ የማነይትኻ ልዕልቲ እያ።
14. መሰረት ዝፋንካ ጽድቅን ቅንዕናን እዩ፡ ሳህልን ሓቅን ቀቅድሚ ገጽካ ይኸዳ ኣለዋ።
15. እቲ እልልታ ዚፈልጥ ህዝቢ ብጹእ እዩ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ብብርሃን ገጽካ ይመላለሱ።
16. ብስምካ ምሉእ መዓልቲ ይሕጐሱ፡ ብጽድቅኻውን ልዕል ይብሉ።
17. ክብሪ ሓይሎም ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ብሞገስካ ቐርንና ልዕል ኪብል እዩ።
18. ዋልታና ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ንጉስና ናይቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።
19. በቲ ዘመን እቲ ብራእይ ንቕዱሳንካ ኸምዚ ኢልካ ተዛረብካዮም፡ ረዲኤት ኣብ ልዕሊ ጅግና ኣንቢረ፡ ካብ ህዝቢ ሓደ ሕሩይ ኣልዒለ።
20. ንዳዊት ባርያይ ረኺበዮ፡ ብቕዱስ ዘይተይ ቀቢኤዮ፡
21. ኢደይ ኲሉ ጊዜ ምስኡ ኽትከውን እያ፡ ቅልጽመይ ከኣ ኬበርትዖ እዩ።
22. ጸላኢ ኣይኪወድቆን፡ ዓማጺ ኸኣ ኣይኪጠቕዖን እዩ።
23. ንጸላእቱ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ክቕጥቅጦም፡ ነቶም ዚጸልእዎምውን ክወቕዖም እየ።
24. እምነተይን ጸጋይን ድማ ምስኡ ኪዀና፡ ብስመይውን ቀርኑ ልዕል ኪብል እዩ።
25. ኢዱ ድማ ኣብ ባሕሪ፡ የማነይቱውን ኣብ ርባታት ከንብር እየ።
26. ንሲ፡ ኣቦይ ፡ ኣምላኸይ ፡ ክውሒ ምድሓነይ ስትኻ ኢኻ ፡ ኢሉ ኺሰምየኒ እዩ።
27. ኣነውን በኹሪ ፡ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ እየ።
28. ሳህለይ ንዘልኣለም ክሕልወሉ እየ፡ ኪዳነይውን ኪጸንዓሉ እዩ።
29. ዘርኡ ድማ ንዘለኣለም ፡ ዝፋኑውን ከም መዓልትታት ሰማይ ከንብር እየ።
30. ድቁ ሕገይ እንተ ሓደጉ ፡ ከም ቅንዕናይ እንተ ዘይተመላለሱ ፡
31. ስርዓተይ እንተ ኣፍረሱ ፡ ትእዛዛተይውን እንተ ዘይሓለዉ ፡
32. ሽዑ ንኣበሳኦም ብሾቦጥ ፡ ንበደሎምውን ብመውቃዕቲ ኸረኻኽበሎም እየ።
33. ጸጋይ ግና ኣየግድፎን ፡ እምነተይውን ኣይጠልምን።
34. ኪዳነይ ኣየፍርስን ፡ ከናፍረይ እተዘረቦ ድማ ኣይልውጥን።
35. ሓንቲ ነገር ብቕድስናይ ምሒለ እየ፡ ንዳዊት ኣይሕሱን ፡
36. ዘርኡ ንዘልኣለም ፡ ዝፋኑውን ከም ጸሓይ ኣብ ቅድመይ ኪነብር እዩ።
37. ከም ወርሒ ንዘለኣለም ይቐውም፡ ኣብ ደበና ዘሎ ከኣ እሙን እዩ።
38. ንስኻ ግና ደርቢኻን ንዒቕካን ፡ ንቕቡእካ ተቖጣዕካዮ።
39. ኪዳን ባርያኻ ኣፍረስካ ፡ ንዘዉዱ ኣብ ምድሪ ኣርከስካዮ።
40. ብዘሎ ምካበብያኡ ኣፍሪስካ፡ ዕርድታቱ ስዕኖኻ።
41. ኩሎም ሓለፍቲ መገዲ ብዝቢዞምዎ፡ ንጎረባብቱ መላገጺኦም ኮይኑ።
42. ንየማነይቲ እቶም መጻርርቱ ልዕል ኣቢልካያ ፡ ንኹሎም ጸላእቱ ኣሐጎስካዮም።
43. እወ፡ ንስሕለት ሰይፉ መለስካዮ፡ ኣብ ውግእውን ኣየጽናዕካዮን።
44. ንነጸብራቑ ኣጥፈእካዮ፡ ንዝፋኑውን ናብ ምድሪ ደርቢኻዮ።
45. መዓልታት ንእስነቱ ኣሕጺርካዮ ፡ ብነውሪ ኣጎልቢብካዮ ኣሎኻ።
46. ዎ እግዚኣብሄር፡ ፈጺምካ እትኽወል ፡ ነድርኻስ ከም ሓዊ ዚነድድ ክሳዕ መኣዝ እዩ።
47. ህይወተይ ክንደይ ሓጻር ምኳና፡ ኩሎም ደቂ ስብ ንኸንቱነት ክም ዝፈጠርካዮም ዘክር።
48. ሞት ከይረኣየ ብህይወት ዚነብር፡ ንነፍሱስ ካብ ኢድ ሲኦል ዜናግፍ ሰብ መን እዩ፡
49. ጎይታየ፡ እቲ ብእምነትካ ንዳዊት ዝመሓልካሉ፡ ናይ ቐደም ጸጋኻ ኣበይ ኣሎ፡
50. ግይታየ፡ ንጸርፊ ባሮትካ፡ ነቲ ካብ ኩሎም ሓያላት ኣህዛብ ኣብ ልበይ ዝጾሮ ዘለኹ ዝክር።
51. ጎይታየ፡ ጸላእትኻ ዝጸርፍዎ ጸርፊ፡ ነቲ ንኣሰር ቅቡእካ ዚጸርፍዎ ዘለዉ ዘክር።
52. እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይባረኽ። ኣሜን፡ ኣሜን።

  Psalms (89/150)