| ← Psalms (89/150) → | 
| 1. | ግብርታት ጸጋ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ክዝምር፡ ብኣፈይ ንውሉድ ወለዶ እምነትካ ኸፍልጥ እየ። | 
| 2. | ጸጋ ንዘለኣለም ኪህነጽ፡ እምነትካ ኣብ ሰማያት ከተጽንዕ ኢኻ፡ በልኩ እሞ፡ | 
| 3. | ምስ ሕሩየይ ኪዳን ኣቶኹ፡ ንዳዊት ባርያይ መሐልኩሉ፡ | 
| 4. | ዘርእኻ ንዘለኣለም ከጽንዕ፡ ዝፋንካውን ንውሉድ ወለዶ ኽሀንጽ እየ።ሴላ። | 
| 5. | ጐይታየ፡ ሰማያት ከኣ ንተኣምራትካ፡ ንእምነትካ ኣብ ማሕበር ቅዱሳን ኪውድሱ እዮም። | 
| 6. | ኣብ ጠፈር ንእግዚኣብሄር ዚመዓራረዩስ መን እዩ? ካብ ውሉድ ስልጡናትከ መን እዩ ንእግዚኣብሄር ዚመስሎ? | 
| 7. | ኣብ ምኽሪ ቅዱሳን ኣዝዩ ዜፍርህ፡ ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዂላቶም ዜሸብር ኣምላኽ እዩ። | 
| 8. | እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ከማኻ ስልጡን መን እዩ? ዎ ጐይታይ፡ እምነትካውን ኣብ ዙርያኻ ኣሎ። | 
| 9. | ንትዕቢት ባሕሪ ትገዝኦ፡ ማዕበላቱ እንተ ተንስኤ፡ ንስኻ ተህድኦ። | 
| 10. | ከም እተወግኤ ጌርካ፡ ንረሃብ ቀጥቂጥካዮ፡ ብሓይሊ ቕልጽምካ ንጸላእትኻ በቲንካዮም ኢኻ። | 
| 11. | ሰማያት ናትካ እዩ፡ ምድሪውን ናትካ እያ፡ ንዓለም ምስ ምልኣታ ሰሪትካያ። | 
| 12. | ንሰሜንን ደብቡን ንስኻ ፈጠርካየ፡ ታቦርን ሄርሞንን ብስምካ እልል ይብላ። | 
| 13. | ሓያል ቅልጽም ኣሎካ፡ ኢድካ ብርትዕቲ፡ የማነይትኻ ልዕልቲ እያ። | 
| 14. | መሰረት ዝፋንካ ጽድቅን ቅንዕናን እዩ፡ ሳህልን ሓቅን ቀቅድሚ ገጽካ ይኸዳ ኣለዋ። | 
| 15. | እቲ እልልታ ዚፈልጥ ህዝቢ ብጹእ እዩ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ብብርሃን ገጽካ ይመላለሱ። | 
| 16. | ብስምካ ምሉእ መዓልቲ ይሕጐሱ፡ ብጽድቅኻውን ልዕል ይብሉ። | 
| 17. | ክብሪ ሓይሎም ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ብሞገስካ ቐርንና ልዕል ኪብል እዩ። | 
| 18. | ዋልታና ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ንጉስና ናይቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ። | 
| 19. | በቲ ዘመን እቲ ብራእይ ንቕዱሳንካ ኸምዚ ኢልካ ተዛረብካዮም፡ ረዲኤት ኣብ ልዕሊ ጅግና ኣንቢረ፡ ካብ ህዝቢ ሓደ ሕሩይ ኣልዒለ። | 
| 20. | ንዳዊት ባርያይ ረኺበዮ፡ ብቕዱስ ዘይተይ ቀቢኤዮ፡ | 
| 21. | ኢደይ ኲሉ ጊዜ ምስኡ ኽትከውን እያ፡ ቅልጽመይ ከኣ ኬበርትዖ እዩ። | 
| 22. | ጸላኢ ኣይኪወድቆን፡ ዓማጺ ኸኣ ኣይኪጠቕዖን እዩ። | 
| 23. | ንጸላእቱ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ክቕጥቅጦም፡ ነቶም ዚጸልእዎምውን ክወቕዖም እየ። | 
| 24. | እምነተይን ጸጋይን ድማ ምስኡ ኪዀና፡ ብስመይውን ቀርኑ ልዕል ኪብል እዩ። | 
| 25. | ኢዱ ድማ ኣብ ባሕሪ፡ የማነይቱውን ኣብ ርባታት ከንብር እየ። | 
| 26. | ንሲ፡ ኣቦይ ፡ ኣምላኸይ ፡ ክውሒ ምድሓነይ ስትኻ ኢኻ ፡ ኢሉ ኺሰምየኒ እዩ። | 
| 27. | ኣነውን በኹሪ ፡ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ እየ። | 
| 28. | ሳህለይ ንዘልኣለም ክሕልወሉ እየ፡ ኪዳነይውን ኪጸንዓሉ እዩ። | 
| 29. | ዘርኡ ድማ ንዘለኣለም ፡ ዝፋኑውን ከም መዓልትታት ሰማይ ከንብር እየ። | 
| 30. | ድቁ ሕገይ እንተ ሓደጉ ፡ ከም ቅንዕናይ እንተ ዘይተመላለሱ ፡ | 
| 31. | ስርዓተይ እንተ ኣፍረሱ ፡ ትእዛዛተይውን እንተ ዘይሓለዉ ፡ | 
| 32. | ሽዑ ንኣበሳኦም ብሾቦጥ ፡ ንበደሎምውን ብመውቃዕቲ ኸረኻኽበሎም እየ። | 
| 33. | ጸጋይ ግና ኣየግድፎን ፡ እምነተይውን ኣይጠልምን። | 
| 34. | ኪዳነይ ኣየፍርስን ፡ ከናፍረይ እተዘረቦ ድማ ኣይልውጥን። | 
| 35. | ሓንቲ ነገር ብቕድስናይ ምሒለ እየ፡ ንዳዊት ኣይሕሱን ፡ | 
| 36. | ዘርኡ ንዘልኣለም ፡ ዝፋኑውን ከም ጸሓይ ኣብ ቅድመይ ኪነብር እዩ። | 
| 37. | ከም ወርሒ ንዘለኣለም ይቐውም፡ ኣብ ደበና ዘሎ ከኣ እሙን እዩ። | 
| 38. | ንስኻ ግና ደርቢኻን ንዒቕካን ፡ ንቕቡእካ ተቖጣዕካዮ። | 
| 39. | ኪዳን ባርያኻ ኣፍረስካ ፡ ንዘዉዱ ኣብ ምድሪ ኣርከስካዮ። | 
| 40. | ብዘሎ ምካበብያኡ ኣፍሪስካ፡ ዕርድታቱ ስዕኖኻ። | 
| 41. | ኩሎም ሓለፍቲ መገዲ ብዝቢዞምዎ፡ ንጎረባብቱ መላገጺኦም ኮይኑ። | 
| 42. | ንየማነይቲ እቶም መጻርርቱ ልዕል ኣቢልካያ ፡ ንኹሎም ጸላእቱ ኣሐጎስካዮም። | 
| 43. | እወ፡ ንስሕለት ሰይፉ መለስካዮ፡ ኣብ ውግእውን ኣየጽናዕካዮን። | 
| 44. | ንነጸብራቑ ኣጥፈእካዮ፡ ንዝፋኑውን ናብ ምድሪ ደርቢኻዮ። | 
| 45. | መዓልታት ንእስነቱ ኣሕጺርካዮ ፡ ብነውሪ ኣጎልቢብካዮ ኣሎኻ። | 
| 46. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ፈጺምካ እትኽወል ፡ ነድርኻስ ከም ሓዊ ዚነድድ ክሳዕ መኣዝ እዩ። | 
| 47. | ህይወተይ ክንደይ ሓጻር ምኳና፡ ኩሎም ደቂ ስብ ንኸንቱነት ክም ዝፈጠርካዮም ዘክር። | 
| 48. | ሞት ከይረኣየ ብህይወት ዚነብር፡ ንነፍሱስ ካብ ኢድ ሲኦል ዜናግፍ ሰብ መን እዩ፡ | 
| 49. | ጎይታየ፡ እቲ ብእምነትካ ንዳዊት ዝመሓልካሉ፡ ናይ ቐደም ጸጋኻ ኣበይ ኣሎ፡ | 
| 50. | ግይታየ፡ ንጸርፊ ባሮትካ፡ ነቲ ካብ ኩሎም ሓያላት ኣህዛብ ኣብ ልበይ ዝጾሮ ዘለኹ ዝክር። | 
| 51. | ጎይታየ፡ ጸላእትኻ ዝጸርፍዎ ጸርፊ፡ ነቲ ንኣሰር ቅቡእካ ዚጸርፍዎ ዘለዉ ዘክር። | 
| 52. | እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይባረኽ። ኣሜን፡ ኣሜን። | 
| ← Psalms (89/150) → |