Psalms (88/150)  

1. ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ምድሓነይ፡ ኣብ ቅድሜኻ ለይትን መዓልትን ኤእዊ ኣሎኹ፡
2. ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፡ እዝንኻ ናብ ኣውያተይ ኣድንን።
3. ነፍሰይ መከራ ጸጊባ እያ እሞ፡ ህይወተይ ናብ ሲኦል ቀሪባ ኣላ።
4. ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዚወርዱ ተቘጺረ፡ ሓይሊ ኸም ዜብሉ ሰብኣይ እየ፡
5. ከምቶም ድሕርዚ ዘይትዝክሮም፡ ካብ ኢድካ እተቘርጹ፡ ኣብ ጒድጓድውን ዚድቅሱ ቕቱላት ኣብ ማእከል ምዉታት ተደርቤኹ።
6. ኣብ ዓሚቚ ጒድጓድ፡ ኣብ ጸልማት፡ ኣብ መዓሙቚ ኣንበርካኒ።
7. ቊጥዓኻ ይኸብደኒ ኣሎ፡ ብዂሉ ማዕበላትካ ጸቒጥካኒ።ሴላ።
8. ንመሓዙተይ ካባይ ኣርሒቕካ፡ ብኣታቶም ፍንፋን ገበርካኒ፡ ተዐጽየ፡ ምውጻእውን ስኢነ ኣሎኹ።
9. ኣዒንተይ ብስቓይ ይስልምታ ኣለዋ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኲሉ መዓልቲ ናባኻ ኤእዊ። ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ ኣሎኹ።
10. ንምዉታትዶ ተኣምራት ትገብረሎም ኢኻ? ዝሞቱስ ተንሲኦምዶ የመስግኑኻ እዮም?ሴላ።
11. ኣብ መቓብርካ ሳህልኻ፡ ኣብ ቦታ ጥፍኣትውን እምነትካዶ ይንገር እዩ?
12. ተኣምራትዶ ኣብ ጸልማት፡ ጽድቅኻውን ኣብ ምድሪ ምርሳዕ ይፍለጥ እዩ?
13. ጐይታየ፡ ኣነ ግና ናባኻ ኤእዊ ኣሎኹ፡ ጸሎተይ ድማ ኣንጊሁ ይቃባበለካ ኣሎ።
14. ጐይታየ፡ ስለምንታይ ንነፍሰይ እትድርብያ፡ ንምንታይሲ ገጽካ ትኽውለለይ ኣሎኻ?
15. ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሽጉርን ውጹዕን እየ፡ ፍርሃትካ ተሰኪመስ፡ ተስፋ እቘርጽ ኣሎኹ።
16. ሓቂ ቚጥዓኻ ብልዕለይ ሐሊፉ፡ ስምባድካ ኣጥፊኡኒ።
17. ምሉእ መዓልቲ ኸም ማይ ከቢቦምኒ፡ ሐቢሮም ኣብ ዙርያይ ኣለዉ።
18. ንፈታውን ዓርክን ካባይ ኣርሐቕካዮም፡ መሓዛይ ጸልማት እዩ።

  Psalms (88/150)