Psalms (87/150)  

1. መሰረታ ኣብቶም ቅዱሳን ኣኽራን እያ፡
2. እግዚኣብሄር ካብ ኲሉ ማሕደራት ያእቆብሲ ንደጌታት ጽዮን የፍቅር እዩ።
3. ኣቲ ኸተማ ኣምላኽ፡ ብዛዕባኺ ኽቡር ነገር ተዘርበ።ሴላ።
4. ካብተን ዚፈልጣኒ፡ ረሃብን ባቢሎንን ምስ ኢትዮጵያ፡ እንሆ፡ ፍልስጥኤምን ጢሮስን ምስ ኢትዮጵያ፡ እዚኣቶም ኣብኣ ተወሊዶም እዮም።
5. ብዛዕባ ጽዮን ድማ፡ እዝን እትን ኣብኣ ተወሊዶም፡ ኪበሀል እዩ፡ እቲ ልዑልውን ባዕሉ ኼጽንዓ እዩ።
6. እግዚኣብሄር ነህዛብ ኪጽሕፎም ከሎ፡ እዚ ኣብኣ ተወሊዱ፡ ኢሉ ኪቘጽር እዩ።ሴላ።
7. እናደረፉን እናሳዕስዑን፡ ኲለን ዓይኒ ማያተይ ኣባኻ እየን፡ ኪብሉ እዮም።

  Psalms (87/150)