Psalms (86/150)  

1. ዎ እግዚኣቢሄር፡ መስኪንን ድኻን እየ እሞ፡ እዝንኻ ኣድንን፡ ምለሰለይውን።
2. ሄር እየ እሞ፡ ንነፍሰይ ሐልዋ፡ ኣታ ኣምላኸየ፡ ነቲ ኣባኻ ዚውከል ባርያኻ ኣድሕኖ።
3. ምሉእ መዓልቲ ናባኻ ኤእዊ ኣሎኹ እሞ፡ ጐይታየ፡ ምሐረኒ።
4. ዎ እግዚኣብሄር፡ ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል ኣሎኹ እሞ፡ ንነፍሲ ባርያኻ ኣሐጒሳ።
5. ዎ እግዚኣብሄር፡ ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ፡ ናባኻ ንዜእውዩ ዂላቶም ከኣ ብዓል ዓብዪ ምሕረት ኢኻ እሞ፡
6. ጐይታየ፡ ጸሎተይ ስማዕ፡ ንድምጺ ምህለላይ ጽን በሎ።
7. ንስኻ ኽትመልሰለይ ኢኻ እሞ፡ ብመዓልቲ ጸበባይ ክጽውዓካ እየ።
8. ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ ኣማልኽቲ ዚመስለካ የልቦን፡ ከም ግብርታትካውን ከቶ የልቦን።
9. ዎ እግዚኣብሄር፡ ዝፈጠርካዮም ኣህዛብ ኲሎም መጺኦም ኣብ ቅድሜኻ ኺሰግዱ፡ ንስምካውን ኬኽብሩ እዮም።
10. ንስኻ ዓብይን ተኣምራት እትገብርን ኢኻ እሞ፡ ኣምላኽሲ ንስኻ ጥራይ ኢኻ።
11. ዎ እግዚኣብሄር፡ ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ፡ መገድኻ ምሀረኒ፡ ስምካ ኽፈርህሲ፡ ንልበይ ኣዳልዎ።
12. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ሳህልኻ ንኣይ ዓብዪ እዩ፡ ንነፍሰይውን ካብ መዓሙቚ ሶኦል ኣውጺእካያ ኢኻ እሞ፡ ብምሉእ ልበይ ከመስግነካ፡ ስምካውን ንዘለኣለም ከኽብር እየ።
13. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ሳህልኻ ንኣይ ዓብዪ እዩ፡ ንነፍሰይውን ካብ መዓሙቚ ሶኦል ኣውጺእካያ ኢኻ እሞ፡ ብምሉእ ልበይ ከመስግነካ፡ ስምካውን ንዘለኣለም ከኽብር እየ።
14. ዎ ኣምላኽ፡ ትዕቢተኛታት ተንሲኦምኒ፡ ኣኼባ ገፋዕቲ ኸኣ ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ፡ ንኣኻውን ኣብ ቅድሚኦም ኣይገበሩኻን።
15. ጐይታየ፡ ንስኻ ግና መሓርን ጸጋውን ዓቃልን፡ ብሳህልን ሓቅን ዓብዪ ኣምላኽ ኢኻ።
16. ናባይ ግልጽ በል እሞ ምሐረኒ፡ ንባርያኻ ሓይልኻ ሀቦ፡ ንወዲ እታ ባርያኻ ኣድሕኖ።
17. ዎ እግዚኣብሄር፡ ረዲእካንን ኣጸናኒዕካንን ኢኻ እሞ፡ ጸላእተይ ርእዮም ኪሐፍሩስ፡ ምልክት ደሓን ግበረለይ።

  Psalms (86/150)