| ← Psalms (86/150) → |
| 1. | ዎ እግዚኣቢሄር፡ መስኪንን ድኻን እየ እሞ፡ እዝንኻ ኣድንን፡ ምለሰለይውን። |
| 2. | ሄር እየ እሞ፡ ንነፍሰይ ሐልዋ፡ ኣታ ኣምላኸየ፡ ነቲ ኣባኻ ዚውከል ባርያኻ ኣድሕኖ። |
| 3. | ምሉእ መዓልቲ ናባኻ ኤእዊ ኣሎኹ እሞ፡ ጐይታየ፡ ምሐረኒ። |
| 4. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል ኣሎኹ እሞ፡ ንነፍሲ ባርያኻ ኣሐጒሳ። |
| 5. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ፡ ናባኻ ንዜእውዩ ዂላቶም ከኣ ብዓል ዓብዪ ምሕረት ኢኻ እሞ፡ |
| 6. | ጐይታየ፡ ጸሎተይ ስማዕ፡ ንድምጺ ምህለላይ ጽን በሎ። |
| 7. | ንስኻ ኽትመልሰለይ ኢኻ እሞ፡ ብመዓልቲ ጸበባይ ክጽውዓካ እየ። |
| 8. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ ኣማልኽቲ ዚመስለካ የልቦን፡ ከም ግብርታትካውን ከቶ የልቦን። |
| 9. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ዝፈጠርካዮም ኣህዛብ ኲሎም መጺኦም ኣብ ቅድሜኻ ኺሰግዱ፡ ንስምካውን ኬኽብሩ እዮም። |
| 10. | ንስኻ ዓብይን ተኣምራት እትገብርን ኢኻ እሞ፡ ኣምላኽሲ ንስኻ ጥራይ ኢኻ። |
| 11. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ፡ መገድኻ ምሀረኒ፡ ስምካ ኽፈርህሲ፡ ንልበይ ኣዳልዎ። |
| 12. | ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ሳህልኻ ንኣይ ዓብዪ እዩ፡ ንነፍሰይውን ካብ መዓሙቚ ሶኦል ኣውጺእካያ ኢኻ እሞ፡ ብምሉእ ልበይ ከመስግነካ፡ ስምካውን ንዘለኣለም ከኽብር እየ። |
| 13. | ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ሳህልኻ ንኣይ ዓብዪ እዩ፡ ንነፍሰይውን ካብ መዓሙቚ ሶኦል ኣውጺእካያ ኢኻ እሞ፡ ብምሉእ ልበይ ከመስግነካ፡ ስምካውን ንዘለኣለም ከኽብር እየ። |
| 14. | ዎ ኣምላኽ፡ ትዕቢተኛታት ተንሲኦምኒ፡ ኣኼባ ገፋዕቲ ኸኣ ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ፡ ንኣኻውን ኣብ ቅድሚኦም ኣይገበሩኻን። |
| 15. | ጐይታየ፡ ንስኻ ግና መሓርን ጸጋውን ዓቃልን፡ ብሳህልን ሓቅን ዓብዪ ኣምላኽ ኢኻ። |
| 16. | ናባይ ግልጽ በል እሞ ምሐረኒ፡ ንባርያኻ ሓይልኻ ሀቦ፡ ንወዲ እታ ባርያኻ ኣድሕኖ። |
| 17. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ረዲእካንን ኣጸናኒዕካንን ኢኻ እሞ፡ ጸላእተይ ርእዮም ኪሐፍሩስ፡ ምልክት ደሓን ግበረለይ። |
| ← Psalms (86/150) → |